26-48 ሙሴ – ሳሙኤል

Moses – Samuel

 26. ህጻን ሙሴ

ዘጸኣት 1፡1-2፡10

ድሕሪ ሞት ዮሴፍ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣዝዩ በዝሐ። ንህዝቢ እስራኤል ዘጨንቅ ሓደ እኩይ ንጉስ ድማ ተንስአ። እዚ ንጉስ ድማ ዮሴፍ ንግብጺ ዝገበሮ ሰናይ ግብሪ ኣይፈለጠን ነበረ። ስለዚ ድማ ንጉስ ከቢድ ስራሕ አስርሖም። ቁጽሮም እንዳ በዝሐ ስለዝከደ ፈርሐ። በዚ ምኽንያት ድማ ወዲ ተባዕታይ ቆልዓ ኣብ ዝውለደሉ እዋን ክቕተል ኣዘዘ። ሓንቲ እስራኤላዊት ኣደ ግና ሙሴ ዝበሃል ቆልዓ ወለደት፡ ኣብ ቤታ ንሰለስተ ወርሒ ሓቢኣቶ። ጸኒሓ ግን ኣብ ተንሳፋፊ ሳጹን ኣእትያ ኣብ ሳዕሪ ኣብ ገምገም ሩባ ኣቀመጠቶ። ነዊሕ ከይጸነሐ ጓል ንጉስ ረኸበቶ። ኣዝያ ስለ ዝደንግጸትሉ ድማ ወሲዳ ከም ወዳ ኣዕብያቶ።

Baby Moses

Exodus 1:1-2:10

After Joseph died the Israelites kept growing in number. Eventually an evil king rose to power who oppressed the Israelites. He didn’t know about all the good things Joseph had done for Egypt. So he ordered them to work hard for him. Because the Israelites were becoming so many, he was afraid of them. He even ordered that when a baby boy was born, it should be killed. But one Israelite mother hid her baby called Moses for three months at home. Afterwards she laid him in a basket that could float and secretly put it between the reeds of the River Nile. But soon the daughter of the king found him. And because she felt sorry for him, she took him and raised him like her own son.

ጓል ንጉስ ንሙሴ ክትረክቦ ከላ

ነቲ ሙሴ ዝተበሃለ ህጻን መን እዩ ዘዕበዮ?

ጓል ንጉስ ግብጺ ረኺባ፡ ከም ወዳ ገይራ ኣዕበየቶ።

 27. እግዚአብሔር ንሙሴ ጸውዖ

ዘጸኣት 2፡11-3፡22

ሙሴ ኣብ ቤት ንጉስ ዓብዩ። ኣብኡ ከሎ ድማ ሓያልን ምሁርን ሰብ ኮነ። ጸኒሑ ንህዝቢ እስራኤል ክሕግዝ ፈተነ። እቲ ንጉስ ነዚ ምስ ሰምዐ ተቘጥዐ። ስለዚ ሙሴ ናብ በረኻ ሃደመ። ኣብኡ ድማ ንብዙሕ ዓመታት ተቐመጠ። ሰበይቲ ተመርዕዩ ውላድ ወለደ።

ሓደ መዓልቲ ሙሴ ኣብ ቁጥቋጥ ሓዊ ረኣየ። እንተኾነ እቲ ሓዊ ነቲ ቁጥቋጥ ኣየቃጸሎን። እግዚኣብሄር ኣብቲ ቁጥቋጥ እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ “ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ኢሉ ተዛረቦ። ከምኡ ውን ከምዚ በሎ “ብኽያትን ኣውያትን ህዝበይ ስለ ዝሰማዕኩ ከም ዝተመባጸዓክዎ መብጻዓይ ክሕግዞም እየ” በሎ።

ንሙሴ ከአ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ሓራ ከውጽኦም ኣዘዞ።

God Calls Moses

Exodus 2:11-3:22

Moses grew up in the king’s palace. He became a strong and smart man there. And in his position, he tried to help the people of Israel. But when the king heard about this, he became angry. So Moses fled to the desert and lived there for many years. He also got married there and had children.

One day, Moses saw fire inside a thorn bush. But the fire didn’t burn the bush up, because God was in it. He said to Moses, “I am the God of Abraham, Isaac and Jacob! I am your God. I will help my people as I promised, because I have noticed their tears and their cry for help!”

Therefore, God told Moses to go and free the people of Israel from Egypt.

ሙሴ ኣብ ቁጥቋጥ ሓዊ ክርኢ ከሎ

ኣምላኽ ንሙሴ እንታይ ክገብር ኣዘዞ?

ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ሃገረ ግብጺ ሓራ ክገብሮም ኣዘዞም።

 28. ሙሴ ናብ ግብጺ ተመልሰ

ዘጸኣት 4-7

እግዚኣብሄር ንሙሴ ናብ ግብጺ ከይዱ ንህዝቢ እስራኤል ሓራ ከውጽእ ኣዚዝዎ ነበረ። ሙሴ ግና ፈሪሑ ናብ ግብጺ ክምለስ ኣይደለየን። ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ ተኣዚዙ ከደ። ሓዉ ኣሮን እውን ከም ዝሕግዞ ኣምላኽ ነገሮ። ስለዚ ሙሴን ኣሮንን ናብ ንጉስ ግብጺ ብምኻድ “እግዚኣብሄር ‘ንህዝበይ ሕደጎም!’ ኢሉካ” ኢሎም ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ግን ኣበየ። ብድሕሪ እዚ እግዚኣብሄር ብሙሴን ኣሮንን ኣቢሉ እቲ ካብ ኩሎም ዝዓበየ ኣምላኽ ምዃኑ ንምግላጽ ከምዚ ዝአመሰለ ተኣምር ፈጸመ። ኣሮን በትሩ ምስ ደርበዩ ድማ ተመን ኮነ። እቲ ተመን ግና ነቶም ናይ ካልኦት ኣትማን ወሓጦም። ይኹን እምበር፡ እቲ ንጉስ ነቶም ህዝቢ ኪሓድጎም ኣይደለየን። ኣምላኽ ግና “ንህዝበይ ብርግጽ ነጻ ከውጾዖ እየ” በለ። ንግብጻውያን ድማ ብዙሕ መከራ ብምልኣኽ ኣጠንቀቖም።

Moses Returns to Egypt

Exodus 4-7

God had commanded Moses to go and lead the Israelites out of Egypt. But because Moses was afraid, he didn’t want to go back there. However, since God had sent him, he obeyed and went. God also told him that his brother Aaron would help him. So Moses and Aaron went to the King of Egypt and said, “God is telling you, ‘Let my people go!’” But the king refused. And so God did a miracle through Moses and Aaron to show that he is the Most High God. When Aaron threw his staff down, it became a snake. And it swallowed the snakes of all the other men. Nevertheless, the king didn’t want to let the people go. But God asserted, “I will surely set my people free!” And he warned the Egyptians by sending them many troubles.

በትሪ ሙሴ ተመን ምስ ኮነ

ሙሴ እኳ እንተ ፈርሐ፡ ስለምንታይ እዩ ናብ ግብጺ ዝተመልሰ?

እግዚኣብሄር ስለ ዝኣዘዞ እዩ ተመሊሱ።

 29. ደም ገንሸል

ዘጸኣት 12

ኣብ መወዳእታ እግዚኣብሔር ንሙሴን ኣሮንን “ንህዝቢ እስራኤል ንነፍሲ ​​ወከፍ ስድራ ሓደ ገንሸል ክሓርዱን ደሙ ኣብ ኣፍደገ መዓጾ ክለኽይዎ እዘዙዎም!” በሎም። ነቲ ስጋ ጠቢሶም ክበልዕዎ እውን ነገሮም። እቶም ህዝቢ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎም ገበሩ።

እቶም ደም ገንሸል ኣብ ኣፍደገኦም ዝቐብኡ እስራኤላውያን ግና ወልሓደ ሰብ ኣይሞተን። ብዙሓት ካብ ግብጻውያን ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ሞቱ። ብድሕሪ እዚ ንጉስ ግብጺ ንእስራኤላውያን ካብታ ሃገር ክወጹ ተማሕጸኖም። ስለዚ ድማ ቀልጢፎም ካብ ግብጺ ወጹ። እግዚኣብሄር ብዓቢ ሓይሉ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ሓራ ኣውጽኦም።

The Blood of the Lamb

Exodus 12

Finally, God said to Moses and Aaron, “Each Israelite family must slaughter a lamb and put its blood on their door frame! Tell them to follow this instruction.” He also commanded them to grill the meat and eat it. And the people did as God had told them.

That night, many, many Egyptians died. But no one died in the Israelite homes who put the blood of the lamb on their door frames. After this, the king commanded the Israelites to quickly leave his country. And so they left Egypt in a hurry. God freed them from slavery by his great power.

እስራኤላውያን ደም እቲ ገንሸል ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ምስ ለኸዩ

ብዙሓት ግብጻውያን ክሞቱ ከለዉ፡ ሓደ ኻብ ማአከል እስራኤላውያን ዘይሞተ ስለምንታይ እዩ?

ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞም ደም ገንሸል ኣብ ኣፍደገታቶም ስልዝለኸዩ፡ ካብ መንጎኦም ዝሞተ ሰብ ኣይነበረን።

 30. ምውጻዕ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ

ዘጸኣት 14

ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጺኦም። ነቲ አባኡ ዝነበረ በረኻ ሰጊሮም ብምካድ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ በጽሑ። ሽዑ ግብጻውያን ብቑጥዐ ደድሕሪኦም መጹ። ኣብዚ ግዜ እዚ እስራኤላውያን ናበይ ክሃድሙ ከም ዝኽእሉ ስለ ዘይፈለጡ፡ ኣዝዮም ፈሪሖም። ስለዚ ድማ ናብ ኣምላኽ ክሕግዞም ኣእወዩ። እግዚኣብሄር ብሙሴ ኣቢሉ ተኣምር ፈጺሙ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ባሕሪ መቂሉ መንገዲ ገበረሎም። እቲ ህዝቢ ድማ ብማእከል ባሕሪ ብምሕላፍ ካብ ጸላእቱ ኣምለጠ። እንደገና ግብጻውያን ብድሕሪኦም ሰዓቡ። እስራኤላውያን ባሕሪ ምስ ሰገሩ ግና፡ ኣምላኽ ነቲ ማይ ናብ ግብጻውያን ከም ዝምለስ ገበረ። ኣብ ማይ ጢሂሎም ድማ ሞቱ። እስራኤላውያን ግና ንኣምላኽ ስለ ዘድሓኖም ኣዝዮም ኣመስገኑ።

The Israelites Escape

Exodus 14

Just as God had said, the Israelites left Egypt. They went through the desert and arrived at the Red Sea. But then the Egyptians came after them in anger. Since the Israelites didn’t know where to run, they were terrified and cried to God for help. God then did a miracle through Moses: he divided the sea in front of them and made a road through it. And in this way, the people were able to escape from their enemies through the sea. The Egyptians still chased after them. But when the Israelites had arrived at the other side of the sea, God made the water return and flow over the Egyptians. They died in the water. And the Israelites praised God for saving them.

ሙሴን ህዝብን ኣብ ማእከል ባሕሪ ክከዱ ከለዉ እግዚኣብሄር ብድሕሪኦም አብ ውሽጢ ደበና ኮይኑ ክሕልዎም ከሎ

ንእስራኤላውያን ካብ ግብጻውያን ንኸምልጡ ዝሓገዞም መን እዩ?

ኣምላኽ ሓጊዝዎም እዩ።

 31. እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣብ በረኻ መገቦም

ዘጸኣት 16-17

እስራኤላውያን መብዛሕቲኡ ጊዜ ክትነብረሉ ብዘይከአል በረካታት አቢሎም ጕዕዞኦም ቀጸሉ። እግዚኣብሄር ንህዝቢ ኣብቲ ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ በረኻ ካብ ሰማይ ዝበልእዎ ምግቢ ሂብዎም። ነቲ ምግቢ ድማ ማና ኢሎም ሰመይዎ። ነቲ ካብ መሬት ዝእክብዎ ዝነበሩ ማና መዓልታዊ ይበልዑ ነበሩ።

ኣብ በረኻ እናሃለዉ ድማ ዝሰትይዎ ማይ ሰአኑ። በዚ ምኽንያት ድማ አብ ልዕሊ ሙሴን ኣምላኽን ክፉእ ተዛረቡ። እቲ ህዝቢ ግን ኣብ ኣምላኽ ክውከሉ ነበሮም። ስለዚ ሙሴ “ስለምንታይ ኣብ ልዕለይን አብ ኣምላኽን ክፉእ ዘረባ ተዛሪብኩም?” በሎም። እንተኮነ ግን ሙሴ ማይ ክህቦም ንኣምላኽ ለመኖ። ኣምላኽ ንሙሴ ብበትሩ ሓደ ከውሒ ክሃርም ነገሮ። ከውሒ ማለት ኣዝዩ ዓቢ እምኒ እዩ። ሙሴ ነቲ ከውሒ ብበትሩ ምስ ወቕዖ ማይ ወጸ። እቲ ማይ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ንዝኮኑ እስራኤላውያን ዝኣክል እዩ ነይሩ።

God Provides for His People in the Desert

Exodus 16-17

The Israelites continued their journey through the desert, where usually it’s impossible to live. But God provided them with food from heaven. They called it manna. Every day the people ate the manna which they simply collected from the ground.

One time the people didn’t have enough water to drink in the desert. And they started to talk badly against Moses and God when instead, they should have trusted in God. So Moses asked them, “Why do you insult me and God?” But he still prayed that God would give them water. And God answered him. He told him to hit a certain rock. After Moses did that, water came out of the rock and more than one million Israelites had enough to drink.

‘እቶም ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦም ማይ ምስ ሰተዩ ምግቢ (ማና) ክእክቡ ከለው

እስራኤላውያን ኣብቲ ዋላ ሓንቲ ዘይነበረሉ በረኻ ብኸመይ እዮም ዚነብሩ ነይሮም?

‘ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ዝሰትይዎ ማይን ዝበልዕዎን መግብን ድማ ካብ ሰማይ ስለ ዝሃቦም።

 32. ሕጊ ንሙሴ ተዋህበ

ዘጸኣት 19-20 + 31፡18

ሓደ መዓልቲ ኣምላኽ ንሙሴ ናብ እምባ ሲና ክድይብ ነገሮ። ህዝቢ ግን ምስኡ ክኸይድ ኣይተፈቕደሉን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብቲ እምባ ካብ ውስጢ ሓዊ ኮይኑ ኣዛረቦ። ኣብኡ ድማ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ጽላት እምኒ ንህዝቢ እስራኤል ጽሒፉ ካልእ ሕግታት እውን ሃቦም።

እግዚኣብሄር ነዚ ሕግታት እዚ ዝሃቦም ምእንታን ምስኡን ኣብ ነንሕድሕዶምን ብሰላምን ብፍቕርን ክነብሩ እዩ።

Moses Receives the Law

Exodus 19-20 + 31:18

One day God told Moses to go up Mount Sinai. The people, however, were not allowed to go with him. On the mountain, God spoke to Moses from within fire and wrote ten commandments on stone tablets for the people of Israel. He also gave them other laws.

The reason God gave them these laws was so that they would live in peace and love with him and with each other.

ሙሴ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣምላኽ ሒዙ ካብ እምባ ሲና ምስ ወረደ

እግዚኣብሄር ብመንገዲ ሙሴ ንህዝቡ እንታይ ኢዩ ሂብዎም?

ንህዝቢ እስራኤል ትእዛዛትን ካልእ ሕግታትን ሃቦም።

 33. እያሱን ካሌብን

ዘሁልቁ 13-14

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ሙሴ ምድሪ ከነኣን ከመይ ከም እትመስል ክርእዩ ዓሰርተው ክልተ ሰባት ለኣኸ። ከይዶም ድማ ነቲ ፍረታትን ህዝብን ከተማታት ከነኣንን ረኣዩ።

ካብ ከነኣን ምስ ተመልሱ ንህዝቢ እስራኤል ዝረኣይዎ ኩሉ ነገርዎም። ዓሰርተ ካብኣቶም “እግዚኣብሄር ከምዝበሎ እታ ሃገር ድንቂ እያ። ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ግን ኣዝዮም ነዋሕትን ሓያላትን ስለ ዝኾኑ ክንስዕሮም ኣይንኽእልን ኢና” በሉ። ህዝቢ ነዚ ምስ ሰምዐ ተስፋ ቆረጸ።

ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ሰባት ግን ክልተ እያሱን ካሌብን ነቲ ህዝቢ ኣተባባዕዎ። ንህዝቢ ድማ “ህዝቢ ከነኣን ዓበይቲ እኳ እንተኾኑ፡ ኣምላኽ ምሳና ስለ ዘሎ፡ ክንስዕሮም ኢና” በልዎ።

እስራኤላውያን ሓገዝን ተኣምራትን ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ረኣዩ፡ ብእኡ ግና ኣይእመኑን ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ እግዚኣብሔር “ብዘይካ እያሱን ካሌብን ደቅኹምን ኩልኹም ናብ ምድሪ ከነኣን ኣይክትኣትዉን ኢኹም” በሎም። ስለዚ እቲ ህዝቢ ንኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ኮለል በለ።

Joshua and Caleb

Numbers 13-14

Some time later Moses sent twelve men to the land of Canaan to see what it was like. They went and saw its wonderful fruit, its people and cities.

When they returned, they told the people of Israel what they had seen. Ten of them said, “The land is wonderful just as God promised. But the people who live there are huge and very strong. We cannot conquer them!” When the Israelites heard this, they despaired.

Only two of the twelve, named Joshua and Caleb, encouraged them with the words, “Yes, the people of Canaan are strong and tall but because God is with us, we can surely conquer them!”

Although the Israelites had seen God’s help and miracles so many times, they didn’t trust in him. Then God said to them, “Besides Joshua, Caleb and your children, none of you will enter the land of Canaan.” And this is why the Israelites wandered here and there in the desert for 40 years.

የተላኩት ሰዎች ለሙሴ በከነዓን ሀገር ያዩትን ሲነግሩት

አሥሩ ሰዎች ለሕዝቡ ተስፋ የሚያስቆርጥ ንግግር ሲናገሩ፥ ኢያሱ እና ካሌብ ግን ለምን ማሸነፍ እንችላለን አሉ?

እግዚአብሔር እንደሚረዳቸው ስላመኑ ነው።

 34. ካብ መርዛም ተመን ምድሓን

ዘሁልቁ 21

እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ክጓዓዙ ከለዉ፡ እግዚኣብሄር ዘድልዮም ሂብዎም። ንሳቶም ግን ክዓግቡ ኣይከኣሉን። ኣብ ምድረበዳ እናተቐመጡ ከለዉ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ኣንጻር ኣምላኽን ሙሴን ብዙሕ ክፉእ ዘረባ ተሰምዐ። በዚ ምኽንያት ድማ እግዚኣብሄር መርዛማት ኣትማን ሰደደሎም። ብዙሓት ሰባት ብኣትማን ተነኺሶም ሞይቶም። እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ረኣዩ ድማ ንኣምላኽ ይቕሬታ ​​ለመኑ። ሙሴ ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ከድሕኖም ለመኖ። ጸሎቱ ድማ ሰምዐ። ንሙሴ ድማ ካብ ኣስራዚ ተመን ሰሪሑ ኣብ ባላውን ክሰቕሎ ነገሮ። እቶም ብኣትማን ዝተነኸሱ ነታ ናይ ኣስራዚ ተመን ምስ ረኣዩ፡ ብኡንብኡ ድሒኖም።

Remedy for Deadly Snake Bites

Numbers 21

While the Israelites lived in the desert, time and again they were not satisfied with the things God provided for them. So one time, God sent lots of poisonous snakes to them because of all their bad talking against him and Moses. These snakes bit many Israelites so that they died. When the people saw this, they asked God for forgiveness. Again, Moses pleaded with God to save them. And God heard his prayer. He told Moses to put up a wooden pole with a snake made of metal hung on it. Everyone who was bitten and looked in faith at the metal snake was healed immediately.

You may also want to read John 3:14-15.

ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ሙሴ ነቲ ተመን ኣስራዚ ዘለዎ ባላ ክተኽላ ከሎ

እግዚኣብሄር ብኣትማን ዝተነኸሱ ሰባት ክድሕኑ፡ እንታይ ዓይነት መድሃኒ ኣዳልዩሎም?

ነቲ ኣስራዚ ተመን ብምርኣይ ክድሕኑ።


ተወሳኺ መብርሂ ኣብ ዮሃንስ 3፡14-15 ኣንብቡ!

 35. እያሱ ነቶም ህዝቢ ናብ ከነኣን መሪሕዎም

እያሱ 1-3 + ዘዳግም 34፡10

ሙሴ ኣብ ሓደ ከረን ኮይኑ ንከነኣን ካብ ርሑቕ ረእዮ። ድሕሪኡ ኣብኡ ኣብ ከረን ሞተ። ሙሴ ንእግዚኣብሄር ፊት ንፊት ዝረኣየን ዘዘራርቦን ኣዝዩ ትሑት ሰብ እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ይኹን፡ ብድሕሪኡ ኣብ እስራኤል ከማኡ ዝኣመሰለ ነብዪ ኣይነበረን።

ሙሴ ምስ ሞተ፡ ኣምላኽ ንእያሱ መራሒ ገበሮ። ንህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ከነኣን ክመርሖም ነገሮ። ከነኣን እታ ኣምላኽ ንኣብርሃም ቃል ዝኣተወላ ምድሪ እያ ነይራ። ስለዚ እያሱን እቶም ህዝብን ተንሲኦም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መጹ። ናብ ከነኣን ንምኻድ ግን ንሩባ ዮርዳኖስ ክሰግሩ ነበሮም። እቲ ሩባ ማይ መሊኡ ስለ ዝነበረ፡ ክትሰግሮ ዘፍርሕ እዩ ነይሩ። ስለዚ ፈለማ እቶም ካህናት ታቦት ተሰኪሞም ብእግሮም ውሽጢ ሩባ ኣትዮም ሩባ ደው በሉ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ማይ ድማ ኹምራ ኮይኑ ደው ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ብቐሊሉ ንሩባ ዮርዳኖስ ብደረቕ መሬት ሰገሩ። ብድሕሪ እዚ ኣብ ከነኣን በጽሑ።

Joshua Leads the People into Canaan

Joshua 1-3 + Deuteronomy 34:10

Moses was allowed to see the land of Canaan from a mountain. But he didn’t enter it. He died there on the mountain. Moses had been a very humble man who talked with God face to face. There has never been any other prophet like him in Israel.

After Moses died, God told Joshua to lead the people of Israel into the land of Canaan. That was the land that God had promised to Abraham. Therefore, Joshua and the people went to the Jordan River. But to reach Canaan, they had to cross the river that was full of water – quite scary. First the priests, who carried the ark of the covenant, stepped into the river. God then stopped the water flow so that the entire population was able to cross the riverbed easily. It had become dry! They had finally reached Canaan.

እግዚኣብሄር ማይ ደው ምስ ኣበለ ህዝቢ እስራኤል ምስ ሰገረ

ንፈለግ ዮርዳኖስ መን ኢዩ ደው ኣቢልዎ?

ኣምላኽ ኢዩ ነቲ ሩባ ደው ኣበሎ።

 36. እስራኤልን ኢያሪኮን

ኢያሱ 6

ኣብ ሃገር ከነኣን ኢያሪኮ እትበሃል ከተማ ነበረት። ኣብ ዙርያኣ ድልዱል መካበቢያ እምኒ ነበሮ። ስለዚ ብቐሊሉ ናብ ኢያሪኮ ኣቲኻ ክትዕወት ​​ኣይከኣልን ነይሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤላውያን ንኽዕወቱ፡ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ከምዚ ኢሉ ነገሮም፡ “ንሽዱሽተ መዓልቲ ነታ ከተማ አብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ብስቕታ ዙርዋ! ኣብታ ሻብዓይቲ መዓልቲ ሸውዓተ ጊዜ ዘርኩም ምስ ወዳኣኩም፡ ብዓው ዝበለ ድምጺ ጨድሩ!” ኢለዎም።

እቶም ህዝቢ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎም ነታ ከተማ ይዞርዋ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ምስ ጨደሩ መካበብያ ኢያሪኮ ወደቀ። በዚ መንገዲ እዚ ድማ ነታ ከተማ ክስዕሩ ክኢሎም። ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢያሪኮ፡ ኣብ ቤቶም ቀይሕ ገመድ ዝሰቐላ ስድራቤት ኣድሒኖምም። ምኽንያቱ ሓንቲ ሰበይቲ ካብታ ስድራ ቤት ቅድሚ ሕጂ ንእስራኤላውያን ሓጊዛቶም ነይራ።

Israel and Jericho

Joshua 6

Jericho was a city in Canaan with a big, strong wall around it. So it wasn’t easy to enter and conquer. But God told Joshua what the Israelites must do so they could actually conquer it. He said, “For six days, walk silently around the city once! On the seventh day walk around it seven times. The last time: shout loudly!

The Israelites walked around the city as God had told them. And on the final day when they shouted, the strong wall of Jericho collapsed. With the help of God, the people of Israel were able to conquer the city. But they spared the lives of the family who had hung a red rope on their house, because one woman of this family had previously helped the Israelites.

መካበብያ ኢያሪኮ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ምስ ወደቀ

መካበብያ ኢያሪኮ መን ኢዩ ኣፍሪስዎ?

ዘፍረሶ እግዚኣብሄር እዩ።

 37. ንእግዚኣብሄር ጥራይ ኣምልኽ

ኢያሱ 24

ኢያሱ ንብዙሕ ዓመታት ንህዝቢ እስራኤል ብጽቡቕ መሪሕዎ። ቅድሚ ሞቱ ንኩሎም መራሕቲ ህዝቢ ኣኪቡ። ነቲ እግዚኣብሄር ንኣቦታቶም ዝገበሮ ዅሉ ዕዮ ድማ ነገሮም። እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ከም ዘውጽኦምን፡ ኣብ በረኻ ዘድልዮም ኩሉ ከም ዘቕረበሎምን ናብ ምድሪ ተስፋ ከም ዝመርሖምን ኣዘኻኸሮም። ሽዑ እያሱ፡ “ኣነን ስድራይን ንእግዚኣብሄር ነምልኽ። ንስኩም ኸ ንመን ከተምልኹ ትደልዩ? ንእግዚኣብሄር ድዩ ወይስ ካልኦት ኣማልኽቲ?” ኢሉ ምርጫ ሃቦም። ኩሎም እቶም ህዝቢ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኽነምልክ ንደሊ ኢና” ኢሎም መለሱ። እያሱ ድማ “ንእግዚኣብሄር እንተ መሪጽኩም ንዕኡ ጥራይ ተኣዘዞ!” ኢልዎም።

Serving God Only

Joshua 24

Joshua led the Israelites in a good way for many years. Before he died, he called all their leaders together. And he told them everything God had done for their ancestors. He reminded them that he had led them out of Egypt, that he had provided for them in the desert, and that he had led them into the promised land. Then Joshua said, “I and my family will worship God. What about you? Who do you want to worship? Choose! Do you want to worship God or other lords?” Then they all answered, “We want to worship God!” So Joshua said, “If you choose God, then serve him only!”

ህዝቢ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ክእዘዙ ምስ ወሰኑ

እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ድዮም መሪጾም ወይስ ካልኦት ኣማልኽቲ?

ንእግዚኣብሄር ጥራይ ኬምልኹ መሪጾም።

 38. ጻዊዒት ናይ ጊዴዎን

መሳፍንቲ 6

እስራኤላውያን ንእግዚኣብሄር ከም ዚእዘዙ ቃል ኣትዮም ነይሮም እዮም። እንተኾነ ብዙሕ ግዜ መብጽዓኦም ክፍጽሙ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እግዚኣብሄር ሓድሓደ ግዜ ብኻልኦት ኣህዛብ ከጨንቅዎም ይፈቅድ ነበረ። እቲ ጸገም ንእስራኤላውያን ምስ ከብዶም ድማ፡ ካብ እግዚኣብሄር ሓገዝ ሓተቱ። ብዘመን ጊዴዎን ድማ ብጸላእቶም ተጨኒቆም ስለዝነበሩ ናብ እግዚኣብሄር አእወዩ።

እግዚኣብሄር ኣውያቶም ስለ ዝሰምዐ፡ “ሓደ መዓልቲ ንጊዴዎን መልኣኽ ተራእዩ አነ ምሳኻ ክኸውን እየ። ብኣኻ ድማ ንህዝቢ እስራኤል ካብቶም ዘጨንቅዎም ሰባት ሓራ ክገብሮም እየ” በሎ። ሽዑ ጊዴዎን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ጽቡቕ ምግቢ ኣቕረበሉ።
እቲ መልኣኽ ድማ ነቲ ምግቢ ከይበልዐ ብበትሩ ተንከፎ። ሓዊ ድማ ካብ ሰማይ ወሪዱ ነቲ ምግቢ ኣቃጸሎ። በዚ ኣቢሉ ድማ፡ ጊዴዎን እግዚኣብሄር ንህዝቡ ንምድሓን ብሓቂ ከም ዝሓረዮ ፈለጠ።

The Calling of Gideon

Judges 6

The Israelites had promised to obey God and to live a life pleasing to him. But often they were not able to keep their promise. Therefore, God sometimes allowed other people to trouble them. In Gideon’s time it happened just like that – they were troubled by another people because they had done evil. As a result, they called out to God again.

Because God heard their prayers, one day an angel appeared to Gideon. He said, “I will be with you and through you I will free the Israelites from the people who trouble them! After that Gideon brought good food to the angel of God. The angel didn’t eat it, but touched it with his staff. Suddenly fire came from heaven and burned it. This way Gideon knew for sure that God had really chosen him to rescue his people.

ጊዴዎን ነቲ መልኣኽ መግቢ ምስ ኣቕረበሉ እሞ እቲ መግቢ ብሓዊ ምስ ተቓጸለ

እግዚኣብሄር ናብ ጊዴዎን መልኣኽ ዝለኣኸ ስለምንታይ እዩ?

ንህዝቢ እስራኤል ሓራ ከም ዘውጽኦም ክነግሮ እዩ ዝመጸ።

 39. ጊዴዎን ምስቶም ሰለስተ ሚእቲ ሰባት

መሳፍንቲ 7

እቲ ህዝቢ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ብመሪሕነት ጊዴዎን ንጸላእቱ ክዋጋእ ተዳለወ። እግዚኣብሄር ግና ንጊዴዎን “እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ ኣጉድል!” ኢለዎ እዩ። ስለዚ፡ ጊዴዎን ነቶም ፈሪሖም ዝነበሩ ሰባት ናብ ቤቶም መለሶም።

ሕጂ ውን እግዚኣብሄር “እቶም ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝበዝሑ፡ ክቕነሱ ኣለዎም በሎም። ስለዚ ማይ ክሰትዩ ናብ ሩባ ኣምጺእዎም፡ ነቶም ክሰትዩ ዝተንበርከኩ ድማ ናብ ቤቶም ስደዶም!” በሎ። ጊዴዎን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ብድሕሪ እዚ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ጥራይ ተሪፎም። ምስ ጸላእቶም ክዋጋዕ ሒዝዎም ድማ ከደ። እግዚኣብሄር ስለ ዝተዋጋዓሎም ድማ ንብዙሓት ኣሽሓት ጸላእቶም ሰዓሩ። እግዚኣብሄር ውሑዳት ሰባት ጥራይ ናብ ውግእ ዝሰደደ፡ እቲ ዓወት ካብኡ ከም ዝመጸ ምእንቲ ክፈልጡ ኢዩ።

Gideon with 300 Men

Judges 7

The people, under the leadership of Gideon, got ready to fight their oppressors as God had ordered. But then God told Gideon, “These are too many people, reduce their number!” Therefore, Gideon sent all the men who were afraid home.

Afterwards God again said to him, “There are still too many. So, take them to the river to drink! Send home those people who kneel down to drink.” Gideon followed God’s instruction and finally the men who stayed with him were only 300. Together with them Gideon went to fight the enemies. And because God helped them, they conquered their enemies even though they were many thousands. God sent only a small number of men to fight, in order to show that it was him who gave them victory.

ጊዴዎን ቁጽሪ ሰባት ንምቅናስ እቶ ሰባት ከመይ ጌሮም ማይ ከም ዝሰትዩ ክሪኢ ከሎ

ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ምስ ጊዴዎን ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ጥራይ ናብ ውግእ ዝለኣኸ?

ብሓይሎም ዘይኮነስ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ከም ዝሰዓሩ ምእንቲ ክፈልጡ ኢዩ።

 40. ሳምሶን ኣንበሳ ቀተለ

መሳፍንቲ 13+14

ሕጂውን ኣብ ካልእ ዘመን እስራኤላውያን ኣዝዮም ተጨኒቖም ስለ ዝነበሩ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ። ኣምላኽ ድማ ጸሎቶም ሰምዐ። ኣብዚ ግዜ እዚ ውላድ ክወልዱ ዘይካአሉ ሰብኣይን ሰበይትን ፍሉይ ውላድ ሃቦም። እቲ ቆልዓ ቅድሚ ምውላዱ ድማ እግዚኣብሄር “እቲ ቆልዓ ናተይ ምዃኑ ምእንቲ ክፍለጥ፡ ጸጉሩ ብፍጹም ክይትቆረጽዎ!” ኢለዎም። ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ድማ ጸጉሩ ኣይቆረጽዎን። ወዶም ድማ ኣዝዩ ሓያል ሰብ ኮነ። ስሙ ድማ ሳምሶን ይበሃል ነበረ። ሓደ እዋን ነቲ ዝመጾ አንበሳ ጥራይ ኢዱ በቲ አምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ቀተሎ።

Samson Kills a Lion

Judges 13+14

Decades later, when the Israelites were in serious trouble once more, they called to God for help again. And he heard their prayers. This time, he gave a special child to a couple that was not able to have children. Before he was born God told them, “Never cut the child’s hair, because that is the sign that he belongs to me! They obeyed God and their child became an incredibly strong man. His name was Samson. One time, when he was attacked by a lion, he killed it with his bare hands by the power God had given him.

አንበሳ

ሳምሶን ብሓይሊ ኣምላኽ ነቲ ኣንበሳ ብጥራሕ ኢዱ ምስ ቀተሎ

እስራኤላውያን ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ምስ ኣጋጠሞም፡ እንታይ ገበሩ?

ከድሕኖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ።

 41. ናይ ሳምሶን ጌጋ

መሳፍንቲ 16

ሳምሶን ምስ ሓንቲ ካብ ጸላእቲ እስራኤል ዝነበረት ደሊላ እትበሃል ሰበይቲ ፍቕሪ ጀመረ። ከመይ ኢሉ ክሳብ ክንድዚ ሓያል ከም ዝኾነ ምስጢሩ ሓተተቶ። ንሱ ግን ክነግራ ኣይደለየን ነበረ። ብዙሕ ግዜ ስለ ዝሓተተቶ፡ ሳምሶን ግን ኣብ መወዳእታ “ጸጉረይ እንተተቖሪጹ፡ ከም ዝኾነ ሰብኣይ ሓይሊ ኣልቦ ክኸውን እየ” ብምባል ነቲ ምስጢር ነገራ። ደሊላ ድማ ንጸላእቱ ምስጢር ሓይሊ ናይ ሳምሶን ነገረቶም። ንሶም ድማ ደቂሱ ከሎ መጺኦም ጸጉሩ ቆረጽዎ። በዚ ምኽንያት ሳምሶን ድኹም ስለዝኮነ ብቐሊሉ ወሲዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ጸጉሩ መሊሱ ክነውሕ ጀመረ፡ ሓይሉ ድማ ተመልሰ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ንምሕጋዝ ተጠቒሙሉ። ኣብ ሓደ ድግስ፡ ኣዕኑድ ናይ ብጸላእቲ ዝመልአ ዓቢ ገዛ ደፊኡ፡ ኣብ ልዕሊኦም እቲ ገዛ ከም ዝፈርስ ገበሮ። ሳምሶን ድማ ምስ ብዙሓት ጸላእቱ ሓቢሩ ሞተ።

ሳምሶን ንእስራኤል ክሕግዝ ካብ ኣምላኽ ሓይሊ ተቐበለ።

Samson’s Mistake


Judges 16

Samson was in love with a woman who belonged to Israel’s oppressors. Her name was Delilah. She asked him what the secret of his power was. But he didn’t want to tell her. Yet because she didn’t stop nagging, Samson finally told her his secret, “If my hair is cut, I will be powerless like every other person.“ Delilah then revealled the secret of Samson’s power to his enemies. Soon afterwards, they came and cut his hair while he was asleep. In this way, he became weak. As a result, it was easy for them to put him in prison.

But over time Samson’s hair grew back and therefore his power also returned. God used him to help Israel in their misery. During a celebration, Samson pushed against the pillars of a big house which was full of people and caused it to collapse. This way he died together with many of his enemies.

Samson had received power from God in order to help Israel against their oppressors.

ሳምሶን

ጸላእቲ ንጸጉሪ ሳምሶን ክቆርጽዎ ከለው

ሳምሶን አምላኽ ከይቆርጾ ዝአዘዞ ጸላእቱ ጸጉሩ ምስ ቆረጽዎ እንታይ ኮይኑ?

ሳምሶን ጸጉሩ ምስ ተቖርጸ፡ ድኹምን ሓይሊ ዘይብሉን ሰብ ኰነ።

 42. ናእሚን ሩትን

ሩት 1

ናእሚ ትበሃል ሰበይቲ ምስ በዓል ቤታን ክልተ ኣወዳት ደቃን አብ ዓዶም ጥሜት ስለዝነበረ ናብ ካልእ ሃገር ገዓዘት። ኣብኡ እናነበረት ከላ፡ በዓል ቤታን ደቃን ሞይቶም። በዚ ምኽንያት ድማ እግዚኣብሄር ምስኣ ከም ዘይኰነ መሲልዋ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ናእሚ ንኣንስቲ ደቃ “ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ኣይቅመጥን እየ። ናብ ዓደይ ክምለስ እየ። ንስክን ድማ ናብ ስድራክን ተመለሳ!” ኢላተን። ሓንቲ ካብኣተን ኣብ ሃገራ ክትጸንሕ ተሰማምዐት፡ ሩት ግን ምስኣ ክትከይድ ወሰነት። ንሳ ድማ ንናእሚ “ንበይንኺ ፈጺመ ኣይገድፈካን እየ። ምሳኺ ክኸይድ እየ። ህዝብኺ ህዝበይ ክኸውን እዩ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ ክኸውን እዩ” በለታ። ስለዚ ናእሚን ሩትን ብሓባር ናብ ምድሪ እስራኤል ከዱ። ኣብኡ ክነብሩ ጀመሩ።

Naomi and Ruth

Ruth 1

Due to a famine, a woman called Naomi went to a foreign country with her husband and two sons. While she was living there, her husband and her two sons died. And so she thought God was not with her. One day, Naomi said to the women who had been the wives of her sons, “I will not stay here any longer. I’ll go back to my country. You should return to your families here also!” One of them agreed, and stayed in her own land. But Ruth decided to go with Naomi. She said to her, “I will certainly not leave you alone! I’ll go with you. Your people will be my people and your God will be my God!” And so Naomi and Ruth went to the land of Israel together and started to live there.

ሩት

ሩት ንናእሚ “ምሳኺ ክኸይድ እየ” ምስ በለታ

ናእሚ ኣምላኽ ምስኣ ዘይኰነ ዝመሰላ ስለምንታይ እዩ?

ምኽንያቱ ክልተ ደቃን በዓል ቤታን ሞይቶም፡ ህይወት ድማ ከቢድዋ እዩ።

 43. ሩት እኽሊ ኣከበት

ሩት 2

ሩት ኣብ ሃገር እስራኤል ወለሓድ ንብረት ዘይነበራ ጋሻ እያ ነይራ። ብዘይካ ናእሚ እትፈልጦ ሰብ ኣይነበራን። ንሓማታ ኣዝያ ትድግፍን ምኽርታታ ትሰምዕን ነበረት። ሓደ መዓልቲ እኽሊ አብ ዝዕጸደሉ እዋን፡ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ሓደ ግራት ተረፍ እኽሊ እናኣከበት ኣሕለፈት። ዋና እቲ ሕርሻ ቦኣዝ ዝበሃል ሕያዋይን ሃብታምን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ሕያውነት ሩት ድማ ሰሚዑ ነበረ። ስለዚ ኣብ ግራቱ ተረፍ እኽሊ ክትእክብ ፈቐደላ። ነቶም ሰራሕተኛታት እውን ሕያዎት ክኾኑላ ብዙሕ እኽሊ ክገድፉላን ነገሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ሩት እኹል እኽሊ ክትእክብ ከኣለት።

Ruth Collects Grain

Ruth 2

Ruth was a foreigner in Israel who didn’t possess anything. And apart from Naomi she didn’t know anyone. She helped her mother-in-law a lot and followed her advice. Once, during the grain harvest, she worked the whole day collecting what remained from the harvest in a certain field. The owner of the field was called Boaz. He was a good and wealthy man who had already heard about Ruth’s kindness. Therefore, he allowed her to collect the leftover grain. He also told his workers to be kind to her and to leave behind some grain on purpose. And so Ruth was able to collect enough.

ሩት

ሩት ነቲ ካብ ግራት ዝተረፈ እኽሊ ምስ ኣከበት

ሩት ጋሻ እኳ እንተ ነበረት፡ ቦኣዝ ግን ሓጊዝዋ ድዩ?

እወ፡ ሓጊዝዋ እዩ።

 44. ሩት ናብ ቦኣዝ ከደት

ሩት 3

ድሕሪ ገለ ግዜ ናእሚ ንሩት ንቦኣዝ ሕያዋይ ሰብ ስለ ዝኾነ ክትምርዓዎ መኽረታ። ሩት ምስቲ ናእሚ ዝሃበታ ምኽሪ ተሰማምዐት። ስለዚ ድማ ጽቡቕ ክዳን ተኸዲና ናብቲ ቦኣዝ ዝነበረሮ ከደት። ንኡኡ ድማ ክትምርዖ ከም እትደሊ ነገረቶ።

ቦኣዝ ንሩት ብሕያውነት “ናብ ካልእ ሰብ ኣይከድክን። ንቤተሰብና እምንቲ ስለ ዝኾንኺ ድማ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ! ብዛዕባ ጉዳይ መርዓ ግና ምስ ሓደ ዘመድና ክዘራረብ ኣለኒ። መልሱ ድሒረ ክነግረኪ እየ። ሕጂ ግን እኽሊ ወሲድካ ናብ ናእሚ ሓማትኪ ኪድ!” ኢለዋ። ሽዑ ብዙሕ እኽሊ ሃባ። ሩት ድማ ነቲ እኽሊ ሒዛ ናብ ቤታ ከደት እሞ ንናእሚ ሃበታ።

Ruth Visits Boaz

Ruth 3

Some time later, Naomi pointed out to Ruth that Boaz would be a good man to marry. Ruth agreed with Naomi’s recommendation. So she dressed up and went to the place where Boaz was. She made clear to him that she was willing to marry him.

Boaz then kindly said to her, “You didn’t go to other men. May God bless you for being faithful to our family. First, I have to discuss our marriage matter with one of my relatives. After that I will tell you the answer. But for now, go home and take along some grain for your mother-in-law.” Then he gave her a lot of grain. Ruth carried it home and gave it to Naomi.

ሩት

ሩት ንቦኣዝ ክትምርዖ ከም እትደሊ ክትነግሮ ክትከይድ ከላ

‘ሩትን ቦኣዝን እሙናት ድዮም ነይሮም ወይስ ኣይኮኑን?

ሩትን ቦኣዝን እሙናት እዮም ነይሮም።

 45. ቦኣዝን ሩትን ተመርዕዮም

ሩት 4

ቦኣዝ ምስ ዘመዱን ምስ ሽማግለታትን ብዛዕባ እቲ ንሩት ኪምርዓዋ ዘለዎ ሓሳብ ተዘራረበ። ኩሎም ምስ ተሰማምዑ፡ ቦኣዝን ሩትን ተመርዓዉ።

ዮቤድ ዝበሃል ወዲ ድማ ወለዱ። ናእሚ ከም ወዳ ገይራ እያ ኣዕብያቶ። ናእሚን ስድራ ቤታን መሊሶም ጽቡቕ ክነብሩ ጀመሩ። እዞም ስድራ ብዙሕ ሽግራት እኳ እንተሓለፉ፡ እግዝያብሄር ግና ምስኦም ነብረ። አዝዩ ድማ ባረኾም።

ዮቤድ ጸኒሑ ኣቦሓጎ ንጉስ ዳዊት ኰነ።

Boaz and Ruth Get Married

Ruth 4

Boaz talked with his relative and with the town elders about his plan to marry Ruth. After they all agreed, Boaz and Ruth got married.

Some time later, they had a son called Obed. Naomi raised him as her own child. Finally, Naomi and her family began to live a good life again. Even when they passed through much suffering, God was with this family. He blessed them greatly.

Eventually Obed became the grandfather of King David.

ቦዔዝ

ናይ ቦኣዝ ዘመድን ሽማግለታትን ኣብ ጉዳይ ሓዳር ቦኣዝ ምስ ወሰኑ

እግዚኣብሄር ንናእሚን ንሩትን ብኸመይ ሓጊዝዎም?

እግዚኣብሄር ንሩት ሰብኣይን ወድን ብምሃብ ሓጊዝዎም።

 46. ​​እግዚኣብሄር ንሃና ሳሙኤል ሃባ

1ይ ሳሙኤል 1-2

ሃና ንብዙሕ ዓመታት ቆላዓ ክትወልድ አይትክእል እያ ነይራ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣዝያ ሓዚና “ንእግዝኣብሄር፡ ወዲ እንተሂብካኒ፡ ኣገልጋሊኻ ክኸውን መሊሰ ክሕበካ እየ። ወድኻ እምበር ናተይ ኣይከውንን” ኢላ እናበኸየት ጸለየት። እቲ ክትጽሊ ዝረኣያ ካህን ድማ “እግዚኣብሄር ዝለመንክዮ ይሃብኪ!” ለዋ። ስለዚ ሃና ተጸናኒዓ ናብ ገዝኣ ተመልሰት።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣምላኽ ንሃና ወዲ ሃባ። ንሳ ድማ ሳሙኤል ኢላ ሰመየቶ። ሳሙኤል ቁሩብ ምስ ዓበየ ናብ ቤት ኣምላኽ ወሲዳ ሃበቶ። ሃና ነዚ ብምግባራ ንኣምላኽ ዝኣተወቶ መብጽዓ ፈጸመት። ሳሙኤል ኣብኡ እዩ ዓብዩ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ንዝነበረ ካህን ኤሊ ይሕግዞ ነበረ።

God Gives Hannah a Child: Samuel

1 Samuel 1-2

For many years Hannah was not able to have children. And so she was very sad. She cried and prayed, “God, if you give me a son, I will give him back to you to be your servant. He will be yours, not mine! The priest who saw her praying said to her, “May God give you what you have asked for So Hannah went home comforted.

About a year later, God gave Hannah a son. She called him Samuel. And when Samuel was big enough, she took him to the house of God. By doing this she kept her promise. And so Samuel grew up helping Eli the priest in the house of God.

ሐና

ሃና ተጨኒቓ ኣብ ቤት ኣምላኽ ክትጽልይ ከላ

ሃና ንኣምላኽ ዝኣተወቶ መብጽዓ ፈጺማ ድያ?

እወ፡ ፈጺማ ኢየ።

 47. እግዝያብሄር ንሳሙኤል ጸውዖ

1ይ ሳሙኤል 3-4

ሓደ ለይቲ ሳሙኤል ደቂሱ ከሎ “ሳሙኤል፡ ሳሙኤል!” ዝብል ድምጺ ሰምዐ። ኤሊ ዝጸዋኦ መሲልዎ፡ ናብኡ ብምኻድ “ጸዊእካኒ ዲኻ” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ግን “ኣነ ኣይጸዋዕኩኻን። ተመሊስካ ደአ ደቅስ!” በሎ። ሳሙኤል ነዚ ድምጺ ሰለስተ ግዜ ብተደጋጋሚ ሰሚዑ ናብ ኤሊ ከደ። ኣብ መወዳእታ ኤሊ ኣምላኽ ንሳሙኤል ከም ዝጸውዖ ተረድአ። ንሱ ድማ፡ “ድሕሪ እዚ ድምጺ ምስ ሰማዕካ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣነ ኣገልጋሊኻ ይሰምእ አሎኹ እሞ በጃኻ ተዛረብ!’ በል” ኢልዎ።

ሳሙኤል ድማ ከምቲ ኤሊ ዝበሎ ገበረ። ሽዑ ኣምላኽ ንቤተሰብ ኤሊ ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ብዘይምእዛዞም ክቐጽዖም ምዃኑ ነገሮ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ንአምላኽ ዘየኽበሩ ካህን ኤሊን ደቁን ሞይቶም። ሳሙኤል ግን ንህዝቢ እስራኤል ጽቡቅ ዝሓስብ ሓቀኛን ነብዪ ኮነሎም።

God Calls Samuel

1 Samuel 3-4

One night, when Samuel was sleeping, he heard a voice calling, “Samuel, Samuel!” He thought that Eli had called him, so he went to him and asked, “Did you just call me?” But Eli said, “No, I didn’t call you. Go back to bed.” Samuel heard the voice three times and went to Eli each time. Finally, Eli understood that it was God who was calling Samuel. So he advised him, “If you hear the voice again, say: ‘Speak, my Lord! Your servant is listening.’”

And Samuel did what Eli had advised him. Then God told Samuel that he would punish Eli’s family who for many years had disobeyed God.

After some time, the priest Eli and his sons who had not honoured God, died. But Samuel served as a trustworthy prophet who cared well for the people of Israel.

ዔሊ

ኣምላኽ ንሳሙኤል ምስ ጸውዖ፡ ንሱ ግና ናብ ኤሊ ክከይድ ከሎ

ኣምላኽ ንሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ክዛረቦ ይኽእል ድዩ?

እወ ክዛረብ ይኽእል እዩ!

ካህን ኤሊ ንኣምላኽ ስለ ዘየኽበረ ድዩ ወይስ ብሰንኪ ዘረባ ሳሙኤል ኢዩ ሞይቱ?

እኩይ ሰብ ብምንባሩ እዩ ሞይቱ።

 48. ሳሙኤል ንእስራኤል ጸለየ

1ይ ሳሙኤል 7

እስራኤላውያን ንብዙሕ ዓመታት ብጸላእቶም ተጨነቁ። በዚ ምኽንያት ድማ ናብ እግዝያብሄር ኣእወዩ። ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ንኣምላኽ ክእዘዙ መኸሮም። ህዝቢ ድማ ክፉእ ተግባራቱ ገዲፉ ክእዘዝ ወሰነ። ተኣኪቦም ከለዉ ሳሙኤል ናብ ኣምላኽ ጸለየ። እስራኤል ከም ዝተኣከቡ ጸላእቶም ሰሚዖም፡ ኣንጻርኦም ክዋግኡ ብኽፍኣት ተንስኡ መጹ። ኣምላኽ ግን ንእስራኤላውያን ሓጊዙ ንጸላእቶም ብሓያል ነጎዳ ሰጐጎም።

Samuel Prays for Israel

1 Samuel 7

The Israelites were oppressed by their enemies for many years. So they cried out to God. And Samuel advised the people to obey God. As a result, they decided to stop their evil deeds and obey him. When they were gathered, Samuel prayed for them to God. Israel’s enemies heard about their gathering and with evil intention got ready to attack them. But God helped the Israelites. Their enemies fled, because he scared them by unusual powerful thunder.

ሳሙኤል

ህዝቢ ነቲ ሕማቕ ተግባራቱ ገዲፉ ሳሙኤል ውን ክጽለየሎም ከሎ

እቶም ህዝቢ ቅድሚ ጸሎት ሳሙኤል እንታይ ክሓድጉ ወሲኖም?

ነቲ ሕማቕ ስራሖም ክገድፍዎ ወሰኑ።

ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት የፍቅሮም እንተ ዀይኑ፡ ንጸላእቲ እስራኤል ዘፍርሖም ስለምንታይ እዩ?

ምኽንያቱ ንህዝቢ እስራኤል ብኽፍኣት ከጥቅዑ ስለ ዝመጹ።

ኣብ ታሪኽ ድለዩ 26 – 48፤