ትግርኛ 49 – 77
ነገስታትን ነብያትን
Kings and Prophets

ኣብ ታሪኽ 49-77 ድለዩ፡
ታሪኮችን ለመክፈት ከዚህ በታች የምትፈልጉትን ተጫኑ
49. ንጉስ ሳኦል
1ይ ሳሙኤል 8-10
እስራኤል ክሳብ ዘመነ ሳሙኤል ንጉስ ኣይነበሮምን። ብመራሕትን ብዳያኑን ይመሓደሩ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል “ከም ካልኦት ሃገራት ናይ ባዕልና ንጉስ ንደሊ ኣለና” በሉ። እግዚኣብሔርን ሳሙኤልን ግን በዚ ልመና ኣይተሓጎሱን። ምኽንያቱ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ንጉሶም ክኸውን ዝደሊ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ሳሙኤል “እቲ ዝነገሰ ንጉስ ብሓይሊ ክጭቁነኩም እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቖም።
እስራኤላውያን ኣዝዮም ስለ ዝደለይዎ ግና፡ ኣምላኽ ሳኦል ዝበሃል ንጉስ ሃቦም። ሳሙኤል ንሳኦል ዘይቲ ቀቢኡ ባረኾ። ነቶም ህዝቢ ድማ “ሳኦል ንጉስኩም እዩ። ትእዛዙ ሓልዉ! ሕጂ ውን ልዕሊ ኩሉ ንኣምላኽ ምእዛዝ የድልየኩምዩ” በሎም።
King Saul 
1 Samuel 8-10
Until Samuel’s time the people of Israel didn’t have a king. Instead, they had leaders and judges. One day, however, the people said to Samuel, “We want to have a king, just like other nations.” But God and Samuel were not pleased with this request. God wanted to be their only king. So Samuel warned them, “A king will harshly demand many things from you.”
But since the Israelites insisted, God made a man called Saul their king. Samuel anointed him with oil and blessed him. He said to the people, “Saul is your king. Obey his orders! And above all keep obeying God’s commands!”

ሳሙኤል ንሳኦል ዘይቲ ቀቢኡ ክባርኾ ከሎ
ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል መንዩ ነይሩ? 
ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል ሳኦል ነይሩ።
50. ዘይምእዛዝ ሳኦል 
1ይ ሳሙኤል 15
ሳኦል ንእተወሰነ እዋን ዕዉት ንጉስ እዩ ነይሩ። ነገር ግና ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዞን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሳኦል ዓቢ ውግእ ምስ ተዋገኤ፡ ሳሙኤል ናብኡ መጸ። ንሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ፈጺሙ ከምዘይተኣዘዞ ነገሮ። ከምኡ ውን “ኣምላኽ ካብ ህያባት ንላዕሊ ተኣዛዝነት ይፈቱ” ኢሉዎ። ሳሙኤል ንሳኦል ተፈልዩ ክከይድ ምስ ደለየ፡ ሳኦል ደው ከብሎ ፈተነ። ጫፍ ክዳኑ ስለ ዝሓዘ ድማ፡ ክዳኑ ተቐደደ። ብኡብኡ ሳሙኤል “ከምቲ እዚ ክዳን እዚ ዝተቐደደ፡ ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ተቐዲዱ። ንካልዕ ሰብ ክወሃቦ ተወሲኑ ኣሎ” በሎ።
እዚ ኩሉ ዝኮነ ሳኦል ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዘ እዩ።
Saul’s Disobedience 
1 Samuel 15
Saul was a successful king for a long time. But he did not obey God. And so one day after a big battle, Samuel came to him. He spoke with him about his unacceptable disobedience. He said to him, “God wants obedience much more than gifts!” When Samuel was about to leave, Saul tried to stop him. He grabbed Samuel by his clothes and a piece tore off. Samuel immediately responded, “Just as this piece of cloth tore off, the Kingdom of Israel is torn away from you today. God has firmly decided to give it to someone else.”
All this happened because Saul didn’t obey God.

ንጉስ ሳኦል ንሳሙኤል ደው ከብሎ ምስ ፈተነ ክዳውንቱ ክቅደድ ከሎ
ሳኦል ንግስንኡ ስለምንታይ ኢዩ እተወስዶ? 
ሳኦል ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዘ ኢዩ።
51. ዳዊት ተመሪጹ
1ይ ሳሙኤል 15-16
ዳዊት ብንእስነቱ ንፉዕ ጓሳ እዩ ነይሩ። ካብ ኣሕዋቱ እቲ ዝነኣሰ እኳ እንተ ነበረ: ኣባጊዕ ኣቦኡ ብተኣማንነት ይጓስየን ነበረ። ጽቡቕ ጠባይ እውን ነይርዎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንዳዊት ኣብ ክንዲ ሳኦል ቀጺሉ ንጉስ እስራኤል ክኸውን መረጾ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣምላኽ ንዳዊት ኪቐብኦ ንነብዪ ሳሙኤል ለኣኾ። ነቢይ ተኣዚዙ ናብ እንዳ ዳዊት ገዛ ከደ። ዳዊት ግን ኣባጊዕ ይጓሲ ስለ ዝነበረ፡ ንኣቦኡ ክጽውዖ ነገሮ።
ዳዊት ምስ መጸ ሳሙኤል ዘይቲ ቀቢኡ ንጉስ ክኸውን ከም ዝተሓረየ ነገሮ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንዳዊት ሓይሊ ሃቦ።
God Chooses David
1 Samuel 15-16
When David was young, he was a good shepherd. He watched over his father’s sheep faithfully, even though he was the youngest of all his brothers. He had good character. Therefore, God chose him to become the next king over Israel. And so God sent Samuel the prophet to anoint David. Samuel obediently went to the place where David lived. But since David was watching over the sheep, Samuel told his father to have him come home.
When David arrived, the prophet anointed him with oil and explained that God had chosen him to be the next king. At that time God gave his power to David.

ዳዊት መጓሰኡ ብተኣማንነት ክጓሲ ከሎ
ቀጺሉ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን እተመርጸ መን እዩ?
እቲ ዝተመርጸ ዳዊት እዩ።
ዳዊት እንታይ ዓይነት ባህርይ እዩ ነይርዎ?
ዳዊት ጽቡቕ ባህሪ ነይርዎ።
52. ዳዊትን ጎልያድን
1ይ ሳሙኤል 17
ሓደ እዋን እስራኤላውያን ንጸላእቶም ክዋግኡ ኣብ ዓውደ ውግእ ተአኪቦም ነበሩ። ኣሕዋት ዳዊት ድማ ወተሃደራት ስለ ዝነበሩ ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ኣቦኦም ንዳዊት ንኣሕዋቱ መግቢ ከብጽሕ ለኣኾ። ዳዊት ኣብኦም ምስ በጽሐ፡ ጎልያድ ዝተባህለ ሰብኣይ ነቶም ህዝቢ ክጭድርን ከፈራርሖምን ሰምዐ። እቲ ዝዓበየን ዝሓየለን ጸላኢ እስራኤል እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሄር ድማ ንብዙሕ መዓልትታት ይፍክር ነበረ።
ዳዊት ግን ንእሽቶ እኳ እንተነበረ ብዘይ ፍርሒ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ንጎልያድ ክዋግኦ ከደ። ንጎልያድ ብወንጭፍ እምኒ ደርብዩ ብምሕራም ቀተሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ኩሎም ጸላእቶም ሃደሙ። ወተሃደራት እስራኤል ድማ ስዒሮምዎም።
David and Goliath
1 Samuel 17
On one occasion, the Israelites had gathered at the battle-field to fight off their enemies. David’s brothers were also soldiers and had gone there. So their father sent David to take them food. When he arrived there, he heard a man called Goliath shout and frighten the people. Goliath was an extremely tall and strong enemy. He had been making fun of God’s people for many days.
Even though David was still young, he was not afraid of Goliath. He went to fight him with the help of God. He put a stone in his sling, hurled it at Goliath and killed him. Then all the enemies ran away and Israel’s soldiers won the victory.

ዳዊት ነቲ ዓቢ ጎልያድ ብሓይሊ ኣምላኽ ክስዕሮ ከሎ
ንዳዊትን ንእስራኤልን ዝሓገዞም መን እዩ?
ኣምላኽ ኢዩ ዝሓገዞም።
53. ዳዊትን ንጉስ ሳኦልን
1ይ ሳሙኤል 26
ዳዊት ዕዉትን ጅግና ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ እስራኤል ካብ ንጉስ ሳኦል ንላዕሊ የኽብርዎ ነበሩ። በዚ ምኽንያት ሳኦል “ዳዊት ኣብ ክንዳይ ንጉስ ክኸውን ድዩ?” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ፈሪሑ። ስለዚ ንዳዊት ብዙሕ ግዜ ክጎድኦን ክቐትሎን ይፍትን ነበረ። ይኹን እምበር፡ እግዚኣብሄር ንዳዊት ይሕልዎ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተዓወተን። ዳዊት ግን ንሳኦል ኪቐትሎ ዝክእለሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ረኺቡ ነይሩ። ይኹን እምበር እግዚኣብሄር ንዝሓረዮ ሰብ አይጎድእን ኢየ ኢሉ ክፉእ ነገር ኣይገበሮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሳኦል ብዙሕ ሰናይ ነገራት ገይሩ እዩ።
David and King Saul
1 Samuel 26
Since David was a successful and brave man, the people of Israel honoured him more than King Saul. As a result, Saul started to fear that David would become king instead of him. Consequently, many times he tried to harm and even kill David. But he was not able to do so, because God protected David.
More than once, David had the chance to kill Saul. But he didn’t do the king any evil, because he didn’t want to harm the man God had appointed. On the contrary, he did many good things to Saul.

ዳዊት ንንጉስ ሳኦል ኣይጎድኦን እየ ምስ በለ
ስለምንታይ ዳዊት ንሳኦል ዘይጐድኦ?
ምኽንያቱ ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ሰብ ክጎድኦ ስለዘይደለየ ኢዩ።
54. ዳዊት ንጉስ ኮነ
2ይ ሳሙኤል 5 + 1ይ ዜና መዋእል 22
ድሕሪ ገለ ዓመታት ሳኦልን ክልተ ደቁን ኣብ ውግእ ሞቱ። ሽዑ ዳዊት ኣብ ይሁዳ ኣብ እትብሃል ደቡባዊ ኽፋል እታ ሃገር፡ ደሓር ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ሃገር እስራኤል ነገሰ።
ዳዊት እኳ እንተ ተጋገየ፡ ንእግዚኣብሄር ዘፍቅርን ዘኽብርን ንጉስ እዩ ነይሩ። ንክብሪ ርእሱ ብዙሕ ዝጭነቅ ሰብ ኣይነበረን። ንህዝቢ እስራኤል ጽቡቕ ዝሓስብ ንጉስ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ብዙሕ መዝሙራት ይጽሕፍን፡ በገና እውን ይጻወት ነበረ።
ስለ ዘፍቅሮ ድማ ገዛ ክሰርሓሉ ሓሰበ። ዳዊት ግን ብዙሕ ውግኣት ስለ ዝገጠመ ኣምላኽ ኣይፈቐዶን። ንሱ ግና “ሰሎሞን ወድኻ ቤት ክሰርሓለይ እዩ” በለ።
David Becomes King
2 Samuel 5 + 1 Chronicles 22
Some years later, Saul and two of his sons died in battle. After that, David first became king over one part of the country called Judah. Later he became king over all of Israel.
Although he made mistakes, he was a king who loved and honoured God. He was not very concerned about his own honour. David was a good king for the people of Israel. He also played the harp and wrote many songs for God.
Out of his love for God, David wanted to build a house for him. But God didn’t allow him, because he had fought so many wars. Instead he assured him, “Your son Solomon will build a house for me.”

ከምቲ ኣምላኽ ዝወሰኖ፡ ዳዊት ንጉስ ክከውን ከሎ
ዳዊት እንታይ ዓይነት ንጉስ እዩ ነይሩ?
ንኣምላኽ ዘፍቅርን፡ ብዛዕባ ክብሩ ብዙሕ ዘይጭነቕን፡ ብዛዕባ ህዝቢ እስራኤል ጽቡቕ ዝሓስብን ንጉስ እዩ ነይሩ።
55. ዳዊትን ባትሴባን
2ይ ሳሙኤል 11-12
ሓደ መዓልቲ ንጉስ ዳዊት ኣብ ናሕሲ ቤቱ ከሎ ባትሴባ እትበሃል ሰበይቲ ክትሕጸብ ረኣያሞ ተጋገየ። ንሳ ግን ሰብኣይ ነበራ። ይኹን እምበር ዳዊት ንሰብኣያ አቅተሎ። ንባትሴባ ድማ ሰበይቱ ክትከውን ወሰዳ።
ዳዊት እቲ ዝገበሮ ኣዝዩ ጌጋ ምዃኑ ቀልጢፉ ምስ ተረድአ ብኡብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ይቕሬታ ለመኖ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ጻድቅን መሓርን ስለ ዝኾነ፡ ንዳዊት ዋላ እኳ እንተቐጽዖ ምሕረት ገይሩሉ። ስለዚ ዳዊት ብዙሕ ዓመታት ብህይወት ጸንሐ።
David & Bathsheba
2 Samuel 11-12
One day King David was on the flat roof of his house. From there he saw a beautiful woman in the neighbourhood washing herself. David then did something wrong. The woman’s name was Bathsheba, and she was married. David ignored this, he caused her husband to die and took her to be his wife.
As soon as David realised that what he did was very wrong, he immediately asked God for forgiveness. Since God is both righteous and merciful, he had mercy on David, although he seriously punished him. Due to God’s mercy, David still lived for many years afterwards.

ዳዊት ንሰበይቲ ጎረቤቱ ክርኢ ከሎ
እግዚኣብሄር ንዳዊት ምሕረት ዝገበረሉ ስለምንታይ እዩ?
ምኽንያቱ እግዚኣብሄር መሓሪ ስለ ዝኾነ ዳዊት ካብ ልቡ ይቕሬታ ስለዝሓተተን ኢዩ።
56. ንጉስ ሰሎሞን
1ይ ነገ 1-8 (2ይ ዜና መዋእል 1)
ንጉስ ዳዊት ምስ ሞተ፡ ወዱ ሰሎሞን ኣብ ክንድኡ ነገሰ። ሓደ ለይቲ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ብሕልሙ “እንታይ ክህበካ ትደሊ ኣለኻ” ኢሉ ሓተቶ። ሰሎሞን ድማ “ህዝብኻ ብጽቡቕ ምእንቲ ክመርሖ ጥበብን ምስትውዓልን ሃበኒ” ኢሉ ለመኖ። ሰሎሞን ንርእሱ ሃብትን፡ ክብርን ሰላማዊ ናብራን ስለዘይለመነ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኩሎም ካልኦት ሰባት ኣዝዩ ዝዓቢ ጥበብ ሃቦ። ዘይሓተቶ ሃብትን ክብርን እውን ወሲኹሉ። ሰሎሞን ነቲ ዝተዋህቦ ጥበብ ተጠቒሙ ንህዝቢ እስራኤል ብሰላም መንገዲ የመሓድርን ይፈርድን ነበረ።
ሰሎሞን እውን ናይ መጀመርታ ቤተ መቕደስ ንእግዚኣብሄር ሃነጸ። እታ ገዛ ድማ ዓባይን ኣዝያ ጽብቕትን ኮይና ተረኺባ። ንብዙሕ ዓመታት ብዘሎ ህዝቢ እስራኤል ናብታ ቤት እቲኣ ንኣምላኽ ክሰግዱ ይኸዱ ነበሩ።
King Solomon
1 Kings 1-8
After King David died, his son Solomon became king in his place. One night God asked Solomon in a dream, “What do you want me to give you?“ Solomon’s answer was, “Please give me understanding and wisdom so that I am able to lead your people in a way that is good for them.“ And because Solomon didn’t ask for wealth, honour or a long life for himself. God gave him much more wisdom than to any other person. He even gave him wealth and honour in addition. Solomon used the wisdom he received from God to be a good leader and judge for the people of Israel.
Furthermore, Solomon built the first temple for God. It became really big and beautiful. For a long time, all the people of Israel went there to worship God.

ንጉስ ሰሎሞን ቀዳመይቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሑ ክጽልይ ከሎ
ሰሎሞን ንርእሱ ብዙሕ ነገር ኣይደለየን እሞ እግዚኣብሄር እንታይ ሃቦ?
እግዚኣብሄር ዓቢ ጥበብን ሃብትን ክብርን ሂብዎ።
57. እቶም ኳዃት ንኤልያስ መግቢ ኣምጽኡሉ
1ይ ነገስት 17
ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ህዝቢ እስራኤል እንደገና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኹ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኤልያስ ዝበሃል ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ነበረ። እግዚኣብሄር ንኤልያስ ናብ ንጉስ ኣከኣብ ከይዱ፡- “ንዓይ ምምላኽ ገዲፍኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለዘምለኩም፡ ንዝመጽእ ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝናብ ኣይክዘንብን እዩ” ኢሉ ክነግሮ ድማ ለኣኾ። ብርግጽ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ዝናብ ውን ደው ኢሉ።
ብድሕሪ እዚ እግዚኣብሄር ንኤልያስ “ካብታ ከተማ ርሒቅካ ኣብ ጥቓ ንእሽቶ ሩባ ተሓባእ! ነቶም ኳዃት እትበልዖ መግቢ ከምጽኡልካ ክእዝዞም እየ” በሎ። ኤልያስ ድማ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቦታ ከደ። ኣብኡ ድማ ኳዃት መዓልታዊ መግቢ የምጽኣሉ ነበራ። ጸኒሑ ድማ ብኻልእ ተኣምር፡ ንግዜ ጥምየት ብምሉኡ ዝኣክል መግቢ ረኸበ።
እቲ እኩይ ንጉስ ንኤልያስ ተቖጢዑ ኣብ ኩሉ ሃገር ደለዮ፡ ንሱ ግን ክረኽቦ ኣይከኣለን።
Ravens Bring Food to Elijah
1 Kings 17
Many years later, the people of Israel worshipped other gods again. At that time, there was a man of God called Elijah. God sent him to King Ahab with the message, “Because you stopped worshipping me and instead worshipped idols, it will not rain in Israel for the next few years.” And indeed, it happened just as God said.
Then God told Elijah, “Go and hide beside a certain small river far away from other people! I will tell the ravens to bring you food.” So Elijah went to the place God told him to go. And there the ravens brought him food every day. Some time later, Elijah had enough to eat through yet another miracle. This way the prophet was cared for during the long drought.
The evil king was angry with Elijah and searched for him everywhere in the land, but he couldn’t find him.

እቶም ኳዃት ንኤልያስ መግቢ ምስ ኣምጽኡሉ
ነቶም ኳዃት ንኤልያስ መግቢ ክህቡ መን ኣዚዝዎም?
እግዚኣብሄር አዚዝዎም።
እቲ ነብዪ ነቲ ዝናብ ኣይዓገቶን። ስለዚ፡ እቲ ዝናብ ደው ዝበለ ስለምንታይ እዩ?
እቲ ህዝቢ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዘምልኸ፡ እግዚኣብሄር ዝናብ ደው ኣበሎ።
58. እግዚኣብሄር እቲ እንኮ ሓቀኛ አምላኽ እዩ
1ይ ነገስት 18
ዝናብ ምስ ኣቋረጸ ኣብ ሳልሳይ ዓመት እግዚኣብሄር ንኤልያስ እንደገና ናብ ንጉስ ሰደዶ። ከይዱ ንንጉስ ምስ ነብያት ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ እምባ ክራኸብ ነገሮ። ስለዚ ኩሎም ኣብቲ እምባ ተኣከቡ።
ሽዑ ኤልያስ ነቶም ነብያት ንኣማልኽቶም ህያብ ኬዳልዉ፡ ንሱ እውን ንእግዚኣብሄር ከምዘዳሉ ነገሮም። ኤልያስ ነቶም ህዝቢ “እቲ ኣብ ልዕሊ ህያብ ሓዊ ዝልእኽ ንሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ በዚ ይፍለጥ!” በሎም። ስለዚ ኤልያስ ንእግዚኣብሄር፡ ንሳቶም ድማ ንአማልኽቶም ህያብ ኣዳለወ። ፈለማ፡ እቶም ነብያት ምሉእ መዓልቲ ናብ ኣማልኽቶም ጸለዩ። ሓዊ ግን ኣይመጸን። ኣብ መወዳእታ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ እቲ ህያብ ማይ ኣፍሰሰ። ብድሕሪ እዚ ናብ እግዚኣብሄር ምስ ጸለየ ብኡንብኡ ሓዊ ወረደ። ነቲ ህያብን ነቲ ህያብ እተቐመጠሉ ዕንጨይትን፡ ንዅሉ ኣእማንን ማይን ኣቃጸሎ። እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ረኣዩ “እግዚኣብሄር ጥራይ ኢዩ ሓቀኛ ኣምላኽ” እናበሉ ናብ እግዚኣብሄር ሰገዱ።
ብድሕሪኡ ድማ መሊሱ ዝናብ አብ እስራኤል ዘነበ።
The Real God
1 Kings 18
In the third year after it stopped raining, God sent Elijah to the king again. So he went and told the king to meet him on a certain mountain together with the prophets of other gods. And so everyone gathered on that mountain.
Then Elijah told the prophets to prepare a gift for their gods. He, on the other hand, would prepare one for God Almighty. Then Elijah said to the crowd, “Let it be clear now that the god who sends fire and burns the gift offered to him is the real God!” So Elijah prepared a gift for the God of Israel and the others prepared one for their gods. First, the other prophets prayed to their gods all day long. But no fire came down.
Finally, Elijah poured water on his gift and when he prayed to God Almighty, fire came down immediately. It burned up everything: the gift, the wood on which the gift had been put and even the stones and the water! When the people saw this, they said, “God is the only real god” and they worshipped him.
After this it started to rain again.

እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ተመሊሶም ከምልክዎ ሓዊ ክሰድድ ከሎ
ናይ መን ኣምላኽ እዩ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ?
እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ናይ ኤልያስ አምላኽ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ።
59. ኤልያስን ኤልሳእን
2ይ ነገስት 2
እግዚኣብሄር ንኤልሳእ ድሕሪ ኤልያስ ነብዪ ክኸውን መሪጽዎ። ኤልሳእ ምስ ኤልያስ ከደ። ተሓጋጋዚኡን ናቱ ተማሃራይን ኮይኑ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ኤልያስ ካብዛ ዓለም ዝፍለየሉ መዓልቲ በጽሐ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብሓባር እናተጓዕዙ ከለዉ ሓደ ዘደንቕ ነገር ኣጋጠመ። ኣፍራስ ሓውን ሰረገላ ሓውን ድማ ኣብ መንጎኦም አትዩ ፈላልይዎም። ኤልሳእ እናጠመተ ከሎ፡ ኤልያስ ብንፋስ ኣብ ዓረብያ ኮይኑ ናብ ሰማይ ተወስደ። ብድሕሪ እዚ ኤልሳእ ኣብ ክንዲ ኤልያስ ነብዪ ኰነ። ብሓይሊ ኣምላኽ ድማ ንህዝቢ ብዙሕ ተኣምራት ክገብረሎም ጀመረ።
Elijah and Elisha
2 Kings 2
God chose Elisha to become prophet after Elijah. And so Elisha went with Elijah. He assisted him and learned from him.
Some years later, the time arrived for Elijah to leave this world. The two men were traveling together, when something astonishing happened. Horses and a chariot of fire came between them and separated them. And Elisha saw how Elijah was taken on that chariot up to heaven in a whirlwind.
After this, Elisha became prophet in the place of Elijah. By God’s power, he started to do many miracles for the people.

ኤልያስ ናብ ሰማይ ክውሰድ ከሎ
ኤልያስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ብኸመይ እዩ ወጺኡ?
እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብሰረገላ ሓዊ ኣፍራስ ገይሩ ናብ ሰማይ ወሰዶ።
60. ፈውሲ ንእማን
2ይ ነገስት 5
ንእማን ወተሃደራዊ መራሒ ናይ ሓደ ጸላኢ እስራኤል ዝነበረ ሃገር እዩ ነይሩ። እዚ ሰብኣይ ግን ከቢድ ሕማም ቆርበት ነይርዎ። ብዛዕባ ነብዪ ኤልሳእ ምስ ሰምዐ፡ ንኽፍውስ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ። ኤልሳእ ፈውሲ ክደሊ ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ቤቱ ጸውዖ። ንእማን ኣብ ጥቓ ቤቱ ምስ በጽሐ፡ ኤልሳእ ልኡኹ ሰዲዱ፡- “ኪድ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ግዜ ተሓጸብ! ሽዑ ክትፍወሱ ኢኻ” በሎ።
ንእማን ድማ ከምቲ ኤልሳእ ዝበሎ አብ ሩባ ተሓጺቡ ሓወየ። ብድሕሪ እዚ ንኤልሳእ ብዙሕ ክቡር ህያባት ክህቦ ተመሊሱ መጸ። ይኹን እምበር፡ ኤልሳእ ነቲ ህያብ ኣይተቐበሎን። እቲ ሰራሕተኛ ግን ኣዝዩ ስሱዕ ስለ ዝነበረ ደድሕሪ ንእማን ጎይዩ ነቲ ህያብ ብሕቡእ ተቐበሎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንእማን ሒዝዎ ብዝነበረ ሕማም ቈርበት ተታሃዘ።
ንእማን ምስ ሓወየ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ንኣምላኽ እስራኤል ዝኾነ እግዚኣብሄር ጥራይ ኣምለኸ።
Naaman’s Healing
2 Kings 5
A man called Naaman was the army commander of Israel’s enemies. He had a serious skin disease. When he was told about the prophet Elisha, he went to Israel to be healed. As soon as Elisha heard about his coming in search for healing, he had him come to his home. But when Naaman arrived, Elisha sent a messenger outside to tell him, “Go and wash yourself seven times in the River Jordan! Then you will be healed.”
Naaman washed himself like Elisha said and was healed. After that he returned to give Elisha many precious gifts. But Elisha didn’t accept anything. His servant Gehazi, however, was very greedy. He ran after Naaman, and secretly received a gift from him. Consequently he got the skin disease that Naaman had before.
After his healing, Naaman returned to his country and worshiped the God of Israel only.

ንእማን ንኤልሳእ ክፍውሶ ክሓቶ ከሎ
ንንእማን ካብቲ ሕማም መን ኣድሒንዎ?
ብኤልሳእ ኣቢሉ እግዚኣብሄር ፈዊስዎ።
61. ኤልሳእን ጸላእቱን
2ይ ነገ 6፡8-23
ሓደ እዋን ጸላእቲ እስራኤል ንነቢይ ኤልሳእን እስራኤልን ክዋግዕዎም መጹ። ንሶም ድማ ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ኤልሳእ ክዕውሩ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ኡንብኡ ኩሎም ምርዓይ ስኢኖም። ስለዚ ኤልሳእ ብቐሊሉ ናብ ሓንቲ ከተማ መሪሑ ወሰዶም። ኣብኡ ድማ ከም ብሓድሽ ክርእዩ ምስ ጸለየሎም ኣዒንቶም ተኸፍታ። ንጉስ እስራኤል ነዚ ምስ ረኣየ “ክቀትሎምዶ?” ኢሉ ንኤልሳእ ሓተተ። ኤልሳእ ግን “ኣይትቅተሎም፡ ምግቢ ዓብሊዕና ብሰላም ይኺዱ ንሕደጎም!” ኢሉ መለሰሉ። ስለዚ ወተሃደራት ጸላኢ ጽቡቕ መግቢ በሊዖም ብሰላም ናብ ዓዶም ተመልሱ። ድሕሪ ደጊም እዞም ጸላእቲ እስራኤል ክዋግኡ ተመሊሶም ኣይመጹን።
Elisha and the Enemies
2 Kings 6:8-23
One time, the prophet Elisha and the people of Israel were attacked by enemies. When they arrived, Elisha prayed that God would make them blind. And immediately, they weren’t able to see anymore. As a result, it was easy for Elisha to lead them to a certain town. After they arrived there, he prayed that they would be able to see again and indeed their sight returned. When the King of Israel saw this, he asked Elisha, “Shall we kill them?” But Elisha answered, “Certainly not! We’ll give them food and then let them go home in peace.” Therefore, these soldiers received delicious food and then returned to their homeland in peace. After that, they never came back to attack.

ኤልሳእ ነቶም ዕዉራት ጸላእቱ ናብታ ከተማ ክወስዶም ኮሎ
በዓል ኤልሳእ ንጸላእቶም ብኸመይ ሰዒሮም?
ምኽንያቱ ኣምላኽ ብኤልሳእ ኣቢሉ ኣዒንቶም ስለዘዐወሮም እዩ።
በዓል ኤልሳእ ንጸላእቶም ምስ ሰዓሩ እንታይ ገበሩሎም?
በዓል ኤልሳእ ንጸላእቶም ምስ ሰዓሩ እንታይ ገበሩሎም?
62. ኣምላኽ ንጸላእቲ ህዝቡ ኣባረሮም
2ይ ነገ 6፡24-7፡20
ሓደ እዋን ገለ ጸላእቲ እስራኤል ናብ ሰማርያ መጺኦም ነታ ከተማ ንነዊሕ እዋን ከበብዋ። እዚ እዋን እዚ ነቶም ኣብታ ከተማ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዩ ከቢድ ናይ መከራ እዋን እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ኲናት እዚ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ፡ ኣዝዮም ጠምዮም ነበሩ።
አብ መወዳእታ ኣርባዕተ ሕማም ቆርበት ዘለዎም ሰባት ግን ናብቲ ጸላእቶም ዘለውዎ ቦታ ምግቢ ደልዮም ከዱ። እቶም ሰባት ኣብኡ ምስ በጽሐ ጸላእቶም ዝገደፍዎ ብዙሕ መግብን ዝተፈላለየ ጠቓሚ ነገራትን ረኸቡ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ናይ ብዙሓት ኣፍራስን ወተሃደራትን ድምጺ ኣስሚኡ ንጸላእቶም ኣሸቢርዎም ሶጊግዎም ስለ ዝነበረ ኢዩ። በታ ለይቲ እቲኣ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ነዚ ብስራት እዚ ንህዝቢ ንኺነግሩ ናብታ ኸተማ ተመልሱ። እቲ ዜና ምስ ተረጋገጸ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ካብታ ከተማ ወጺኦም መግብን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ወሲዶም።
እግዚኣብሄር ንጸላእቶም ብምውቃዕን ብምስጓግን ካብ ዝነበርዎ መከራ ኣድሒንዎም።
God Chases Away Israel’s Enemies
2 Kings 6:24-7:20
One time, some of Israel’s enemies came to Samaria and surrounded the city for a long time. This was a time of great suffering for the people living in that city. Because of the war, they didn’t have enough to eat and were very hungry.
But finally, four men with a bad skin disease went out to the place where the enemies camped in search for food. When they arrived there, they found a lot of food and other things left behind. For God had caused their enemies to hear the sound of many horses and soldiers. By this, he had made them afraid and chased them away. That same night, the four men went back to the city to tell the good news to the people. When they found out that the message was true, the people rushed out of the city and took food and other things they needed.
God had scared and chased away their enemies. This way he saved them from their suffering.

እቶም ኣርባዕተ ሰባት ጸላእቶም ዝገደፍዎ ነገራት ምስ ረኸቡ
ህዝቢ እስራኤል ካብ ጸላእቱ ብኸመይ ሓራ ወጺኡ?
እግዚኣብሄር ንጸላእቶም ድምጺ ብዙሕ ሰራዊት አስሚኡ ስለዘሰንበዶምን ዘባረሮም እዩ።
63. እዮብ
እዮብ 1
እዮብ ንኣምላኽ ዘፍቅር ሕያዋይን ሃብታምን ሰብ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ብእኡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። እዮብ እውን ንዅሉ ሰብ ዘኽብር ምስ ሰባት ዝረዳዳእ ሰብ እዩ ነይሩ። ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን፡ ኮምኡውን አዝዩ ብዙሕ እንስሳታትን ነበሮ። ኣምላኽ ንሰይጣን ንእዮብ ንእተወሰነ እዋን ኪፍትኖ ፈቐደሉ። ስለዚ ሓደ መዓልቲ ሰይጣን ክፍትኖ መጸ። ብኡብኡ ድማ ካብ እዮብ ዝነበሮ ዅሉ ኣጥፍኦ።
ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ሰባት መጺኦም ተራ ብተራ ሕማቕ ዜና ይነግርዎ ነበሩ። እዮብ ብሰንኪ እቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ኩሉ መከራ ኣዝዩ ሓዘነ። ይኹን እምበር “ኣምላኽ ኢዩ ኵሉ ነገር ዝሃበኒ። መሊሱ ዝወሰዶ እውን ንሱ ኢዩ። ስለዚ ሕጂውን ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን!” በለ።
Job
Job 1
Job was a rich and good man who loved God. He was always friendly and treated everyone well. He had seven sons and three daughters, and also many, many animals. And God was very pleased with him.
God allowed Satan to test Job for a certain time. So one day, Satan came to test him and at once took away from him all that he had. On that day, one messenger after another came and brought him bad news. As a result, Job was very sad. Yet he said, “God gave me everything and he took it away again. Even now I will praise him!”

እቶም ልኡኻት በብተራ ንእዮብ ብዛዕባ መከራኡ ክነግርዎን እዮብ ድማ ክበኪ ከሎ
እዮብ ሕማቕ ዜና ምስ ሰምዐ እንታይ በለ?
እዮብ “ኩሉ ነገር ዝሃበኒን መሊሱ ዝወሰዶ እግዚኣብሄር እዩ” ኢሉ ንኣምላኽ ክብሪ ሂብዎ።
64. ስቓይ እዮብ
እዮብ 2-42
ብድሕሪ እዚ፡ እዮብ ብሕማም ኣዝዩ ተሳቐየ። ሰበይቱ ነዚ መከራ ምስ ረኣየት “ንእግዚኣብሄር ኽሓዶ እሞ ሞት!” ኢላቶ። እዮብ ግን “ኣይኽሕድን እየ፡ ካብ ኣምላኽ ብዙሕ ሰናይ ነገር ተቐቢልና ኢና። ሕማቕ ነገር ምስ ዘጋጥም ክንቅበሎ እምበር፡ ክንገድፎ የብልናን” ኢሉ መለሰላ። እዮብ ጠንቂ መከራኡ እኳ እንተ ዘይተረድኦ፡ ሕማቕ ነገራት ብምዝራብ ንእግዚኣብሄር ኣየጎሓዮን።
ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ እቲ እዮብ ዘሕለፎ ከቢድ መከራ ኣብቂዑ። ኣምላኽ ንሰይጣን ከም ብሓድሽ ኪጐድኦ ኣይፈቐደሉን። ጥዕንኡ ድማ ተመሊሱ ኣዝዩ ጽቡቕ ኰነ። ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ሃቦ። ብተወሳኪ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበዝሕ እንስሳታት እውን ባረኾ።
Job’s Suffering
Job 2-42
After that, Job became very sick and suffered a lot. When his wife saw his suffering, she said to him, “Curse God and die!” But Job answered her, “No I won’t, we have received many good things from God. We must also accept difficulties and not reject him!” Although Job didn’t understand the reason for his suffering, he didn’t speak against nor grieve God.
After a long time, Job’s terrible suffering stopped. God didn’t allow Satan to harm Job any longer. His health returned and God gave him seven sons and three daughters again. He also blessed him with more animals than he had had before.

እዮብ ምስ ሓመመ፡ ኣዕሩኽቱ መጺኦም ክሓትዎ ከለው
እዮብ ጸገም ምስ ኣጋጠሞዶ ንእግዚኣብሄር ገዲፍዎ ኢዩ?
ብፍጹም ንእግዚኣብሄር አይገደፈን።
65. ነቢይ ዮናስ
ዮናስ 1-2
ኣብ እስራኤል ዮናስ ዝበሃል ነብዪ ነበረ። ሓደ መዓልቲ እግዚኣብሄር “ናብ ነነዌ እትበሃል ከተማ ኬድካ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት ክፉእ ተግባራቶም ከቋርጹ ንገሮም፡ እንተዘይኮይኑ ከም ዝቐጽዖም ንገሮም!” ኢሉ ለአኮ። ዮናስ ግና ናብ ነነዌ ክኸይድ ኣይደለየን። የግዳስ፡ ኣብ መርከብ ተሰቒሉ ናብ ካልእ ኣንፈት ተጓዕዘ። ኣምላኽ ድማ ዮናስ ስለ ዘይተኣዘዘ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ። እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ብሰንኩ ኣብ ጸገም ከም ዝወደቁ ተገንዘቡ። ንዮናስ መን ምዃኑ ምስ ሓተትዎ ድማ፡ ንሱ እውን “አነ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘይተኣዘዝኩ እዚ ኮነ። ናብ ማይ እንተ ደርቢኹምኒ እቲ ብርቱዕ ንፋስ ደው ክብል እዩ” በሎም። ከምቲ ዮናስ ዝበሎም ምስ ገበሩ ድማ፡ እቲ ንፋስ ደው በለ። ኣምላኽ ንዮናስ ክውሕጦ ዓቢ ዓሳ ኣዘዘ። ዮናስ ግና ኣብ ከብዲ ዓሳ ውሽጢ ኮይኑ አብ መወዳእታ ክጽልን ክዝምርን ጀመረ።
The Prophet Jonah
Jonah 1-2
In Israel there was a prophet called Jonah. One day God said to him, “Go to the city called Nineveh and tell the people there to stop doing evil things! If they don’t, I will punish them!” But Jonah didn’t want to go there. He got into a ship and travelled in the other direction. Then God sent a storm, since Jonah had not obeyed him. The people in the ship finally realised that Jonah was the reason for the trouble. So when they asked him who he was, he told them, “All this is happening because I disobeyed God. But if you throw me into the water, the storm will stop!” And after they had done as Jonah suggested, the storm indeed stopped. Then God commanded a big fish to swallow Jonah. Inside the belly of the fish, Jonah finally started to pray and sing.

ዮናስ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ ምስ ሃደመ
እቲ ዓብይ ዓሳ ንዮናስ ዝወሓጦ ስለምንታይ እዩ?
ምኽንያቱ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘይተኣዘዘ ኢዩ።
66. ዮናስ በነነዌ
ዮናስ 3-4
ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ከሎ ንእግዚኣብሄር ክእዘዝ ወሰነ። እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ በለሉ። ስለዚ እቲ ዓሳ ንዮናስ ናብ ገምገም ባሕሪ ወሲዱ ተፍኦ። ብድሕሪ እዚ ዮናስ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝደለዮ ናብ ነነዌ ከደ። ነቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ዝሃቦ መልእኽቲ ሰበኸ። ኣብ ስብከቱ ድማ ክፉእ ተግባራቶም ክገድፉ ኣጠንቂቑዎም፡ እንተዘይኮይኑ ግና ከምዝቕጽዑ ነገሮም። እቶም ህዝቢ ነቲ መልእኽቲ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ልቦም ይቕረ ክብለሎም ለመኑ። ብኡብኡ ድማ ነቲ ክፉእ ተግባራቶም ኣቋረጹ። በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ምሕረት ገበረሎም።
ኣምላኽ ንሰባት ምቕጻዕ ባህ ኣይብሎን እዩ። ሰባት ግን ኣብ ነንሕድሕዶምን ምስኡን ብሰላም ክነብሩ ይደሊ። ነዚ እዩ ድማ ነቢይ ዝለኣኸሎም።
Jonah in Nineveh
Jonah 3-4
When Jonah was in the belly of the fish, he decided to obey God. And God forgave him. Then the fish took Jonah to shore and released him there. After this, Jonah went to the city of Nineveh, just as God wanted him to. There he passed on God’s message to the inhabitants. He warned them that they would be punished if they didn’t stop doing evil things. When the people heard his message, they sincerely begged God to forgive them. They stopped doing evil things to each other immediately. Therefore, God had mercy on them.
God does not enjoy punishing people. He rather wants them to live in peace with each other and with him. For this reason, he sent a prophet to the people.

ህዝቢ ነነዌ ነቲ ናይ ዮናስ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ንኣምላኽ ይቕረ ክብለሎም ክልምኑ ከለው
እግዚኣብሄር ንበዓል መን እዩ ምሕረት ገይሩሎም?
እግዚኣብሄር ንዮናስን ንህዝቢ ነነዌን ኢዩ ምሕረት ገይሩሎም።
67. ኣስቴርን ንጉስ ፋርስን
አስቴር 1-5
ኣሓሽዌሮስ ዝተበሃለ ንጉስ ፋርስ ኣዝዩ ሓያል ሰብ እዩ ነይሩ። ካብ ህንዲ ክሳብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለው ሃገራት ኩሎም ነጊሱ። ሰበይቱ ንግስቲ ኣስቴር እትበሃል እስራኤላዊት እያ ነይራ።
ሃማን ዝተባህለ ሰብኣይ ርእሰ ምምሕዳር ናይቲ ንጉስ እዩ ነይሩ። ኣኮ ንንግስቲ ኣስቴር ስለ ዘይሰገደሉ፡ ሃማን ኣዝዩ ተቖጥዐት። በዚ ምኽንያት ድማ ንመላእ ህዝቢ እስራኤል ንምጥፋእ ካብ መንግስቲ ደብዳበ አጽሒፉ። እስራኤላውያን ነዚ ምስ ሰምዑ ሰንበዱ። ስለዚ ክፉእ ተግባራቶም ሓዲጎም ብጾምን ጸሎትን ናብ እግዚኣብሔር ኣእወዩ። ንግስቲ ኣስቴር እውን ቅድሚ ናብ ንጉስ ምኻዳ ንሰለስተ መዓልቲ ጾመትን ጸለየትን። እቶም ህዝቢ ድማ ንኣስቴር ጸለዩላ። ብድሕሪ እዚ ንህይወታ ሓደገኛ እኳ እንተነበረ፡ ብዘይ ፍቓድ ናብ ንጉስ ከደት። ምስ ረኣያ ኣይተቖጥዐን “ኣስቴር ንዒ! ኣይትፍርሒ! እንታይ ደሊኺ መጺእኪ?” ኢልዋ።
Esther and the King of Persia
Esther 1-5
Xerxes, the King of Persia, was extremely powerful. He reigned over all the countries from India to Ethiopia. His wife, Queen Esther, was from the people of Israel.
The main leader under King Xerxes was called Haman. Because Esther’s uncle did not bow down before Haman, Haman got very angry. He even ordered an official letter to be written to destroy all the Israelites and had the king authorise it. When the Israelites heard about this, they were terrified. Therefore, they stopped doing evil things, fasted and prayed together with Queen Esther to call on God for help. After that, Queen Esther risked her life by going to the king without his invitation. When the king saw her, he didn’t become angry. Instead, he said, “Come Esther, don’t be afraid! What can I do for you?“

እቲ ንጉስ ንኣስቴር ብጽቡቕ ምስ ተቐበላ
ህዝቢ እስራኤል ሕማቕ ዜና ምስ ሰምዑ እንታይ ገበሩ?
ብጾምን ጸሎትን ናብ እግዚኣብሔር ኣእወዩ።
68. እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ካብ ሃማን ኣድሒንዎም
አስቴር 6-10
ንግስቲ ኣስቴር ነቲ እኩይ አመሓዳሪ ሃማንን ንጉስን ብተኸታታሊ ንክልተ ግዜ ድራር ዓደምቶም። ብድሕሪ እዚ፡ ኣስቴር ነቲ ንጉስ እንታይ ኪገብረላ ከም እትደሊ ሓተተቶ። ንሳ ድማ “ህዝበይ ብሰንኪ ተንኮል ሃማን ክጠፍእ ተወሲንዎ እዩሞ፡ በጃኻ ኣድሕነና” ኢላ ለመነቶ። ንጉስ ድማ ልመናኣ ሰሚዑ ህዝቢ እስራኤል ከይጠፍእ ትእዛዝ ኣውጽአ። እቲ እኩይ መራሒ ሃማን ግን ብሞት ተቐጺዑ። ኣኮ ኣስቴር ኣብ ክንድኡ ኣመሓዳሪ ኰይኑ ተሸይሙ።
እዛ ካብ ጸላእቶም ዝድሃኑላ መዓልቲ ንእስራኤላውያን በዓል ኰነት።
Haman’s plot – God saves Israel
Esther 6-10
Two times in a row, Queen Esther invited the evil leader Haman and the king for a meal. And so they ate together. After the second meal Esther told the king what she wanted him to do for her. She begged him and said, “Because of Haman’s evil plan it was decided to destroy my people. Please save us!“ The king listened to her and gave an order so the people of Israel would not be destroyed. But Haman, the evil leader, was sentenced to death. In his place, Esther’s uncle was appointed as leader.
The day on which the Israelites were saved from their enemies became a festival, which they celebrate every year.

ኣስቴርን ሃማንን ከም ኡውን ጉስን ብሓባር ድራር ክበልዑ ከለው
እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ካብ ጥፍኣት ብኸመይ ኣድሒንዎም?
እቲ ንጉስ ንልመና ኣስቴር ሰሚዑ ህዝቢ እስራኤል ከይጠፍእ ስለዝኣዘዘ ኢዩ።
69. ባቢሎን ንእስራኤል ሲዒራ
2ይ ዜና መዋእል 36፡14-21
እስራኤላውያን ሓጢኣት ምስ ገበሩ፡ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ይሰደሎም ነይሩ። ስለዚ ህይወቶም ንምምሕያሽ ብዙሕ ዕድላት ነበሮም። እግዚኣብሄር ነቲ ክፉእ ተግባራቶም ደው ከብሉ ብዙሕ ግዜ ነብያት ሰዲዱሎም ነይሩ። ሓጢኣቶም ስለ ዘይሓደጉ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ንጉስ ባቢሎን ክስዕሮም ፈቐደ። ጸላእቶም ንከተማ እየሩሳሌምን ቤተ መቕደሶምን ኣዕነውዋ። ብዙሓት ካብ እስራኤላውያን ድማ ናብ ምድሪ ባቢሎን ተወስዱ።
ይኹን እምበር እግዚኣብሄር ብብዝሒ ምሕረቱ ንህዝቡ ምሉእ ብምሉእ ኣየጥፍኦምን። ሕጂውን ናብኡ ክምለሱ ይደሊ ነበረ። ይኹን እምበር እግዚኣብሔር ብነቢይ ኤርምያስ ኣቢሉ እቲ ህዝቢ ንሰብዓ ዓመት ኣብ ትሕቲ ጭቆና ጸላእቱ ከም ዝጸንሕ ነጊርዎም። ብድሕሪኡ ግን ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ቃል ኣተወሎም።
Babylon Conquers Israel
2 Chronicles 36:14-21
When the Israelites did wrong, God warned them repeatedly. So they had many chances to return to the right way. Time and again, God sent them prophets so that they would turn from their evil deeds. But because they didn’t listen, he finally allowed the King of Babylon to conquer them. Their enemies destroyed the city of Jerusalem and the temple. They took many of the Israelites to Babylon.
But because God is so merciful, he didn’t completely destroy his people. He still wanted them to turn to him again. Therefore, he told the people through the prophet Jeremiah that they would be captives for 70 years. And he promised them that they would return to their homeland after that.

ባቢሎናውያን እየሩሳለምን ቤተ መቅድስን ከፍርሱ ከለው
እስራኤላውያን ስለምንታይ እዮም ተሳዒሮም?
ምኽንያቱ ብተደጋጋሚ ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዙ እዮም ዝተሰዓሩ።
70. ዳንኤልን ኣዕሩኽቱን
ዳንኤል 1
ንጉስ ባቢሎን ንሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ሕያዎት መንእሰያት መሪጹ። ተማሂሮም ምስ ወድኡ ኣብ ማእከሎም ካብ ዘለዉ ኣዝዮም ንፉዓት ተማሃሮ ኣማከርቱ ክገብሮም መደብ ነበሮ። እቲ ንጉስ ካብ ዝበላኦ እቲ ዝበለጸ መግብን መስተን ክቐረበሎም ኣዘዘ።
ካብቶም እተመርጹ እስራኤላውያን ዝኾኑ ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽቱን ይርከብዎም። ንሳቶም ግና ብኣምላኽ ዝተኸልከለ መግቢ ኣይንበልዕን ኢና ኢሎም። ስለዚ ኣብ ክንዲ ምግቢ ንጉስ ጥረ ክበልዑን ማይ ጥራይ ክሰትዩን ስለ ዝወሰኑ ፍቓድ ሓተቱ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣካላቶም ካብ ናይቶም ካልኦት መንእሰያት ንላዕሊ ጽብቕ ኰነ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ጥበብን ፍልጠትን ሂብዎም። ስለዚ እቲ ንጉስ ናይ ቀረባ ኣማኸርቱ ክኾኑ መሪጽዎም።
Daniel and His Friends
Daniel 1
The King of Babylon chose some clever young men to receive special training for three years. It was his plan to select the best of them to become his advisors afterwards. The king ordered that these young students were served the same delicious food and drink that he ate and drank himself.
Daniel and his three friends were among the ones who were chosen for this training. They were Israelites. During their training, they didn’t want to eat food that God had forbidden. Therefore, they asked for permission to eat vegetables and drink water instead of the king’s food. And after some time, they looked healthier than the other young men. Additionally, God gave them more wisdom and knowledge than all the others. So after their training, the king chose them to become his personal advisors.

ዳንኤልን ሰለስተ ኣዕሩኽቱን ምግቢ ንጉስ ኣይበልዕን ክብሉ ከለው
ዳንኤልን ኣዕሩኽቱን ካብቶም ካልኦት ዝለበሙ ስለምንታይ እዮም?
ንኣምላኽ ስለ ዚእዘዙን አብኡውን ስለ ዚውከሉን፡ ብጥበብ ይበልጹ ነበሩ።
71. ንጉስ ዝረአዮ ከቢድ ሕልሚ
ዳንኤል 2
ሓደ ለይቲ ንጉስ ባቢሎን ሕልሚ ሓለመ። ትርጉም ናይቲ ሕልሚ ስለዘይተረድኦ ኣዝዩ ተጨነቐ። ስለዚ ሕልሚ ክትርጉሙ ይኽእሉ እዮም ዝብሃሉ ሰባት ጸዊዑ “እቲ ዝረኣኹዎ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ! ክልቲኡ ክትነግረኒ እንተዘይኪኢልኩም ግን፡ ሞት ክፍረደኩም ኢዩ” በሎም። ይኹን እምበር፡ ሕልሚ እቲ ንጉስ ትርጉሙን ሰብ ክፈልጦ ኣይከኣለን።
ዳንኤልን ኣዕሩኽቱን ነዚ ምስ ሰምዑ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ሕልሚ ክገልጸሎም ብጾምን ጸሎትን ለመኑ። እግዚኣብሄር ንዳንኤል ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ነገሮ። ሕልሚ እቲ ንጉስ ብዛዕባ ዝመጹ መንግስታት ከምኾነ ገለጸሉ።
The King’s Mysterious Dream
Daniel 2
One night the King of Babylon had a dream. He was very worried, because he didn’t know what it meant. So he called the men that were said to understand such matters and commanded, “Tell me both my dream and its meaning! If you’re not able to do that, you will be sentenced to death.” But none of them was able to.
When Daniel and his friends heard about it, they fasted and prayed that God would reveal the dream to them. And indeed, God told Daniel the dream and its meaning. He helped him to understand that the king’s dream was about future kingdoms.

ዳንኤል ንንጉስ ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ሕልሚ ክነገሮ ከሎ
ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንዳንኤል መን ኣርኣዮ?
ኣምላኽ ኢዩ ዘረኣዮ።
72. እቲ ወርቃዊ ሓወልትን እቶም ሰለስተ ሰባትን
ዳንኤል 3
ሓደ መዓልቲ፡ ንጉስ ባቢሎን ንእኡ ዝመስል ዓብዪ ሓወልቲ ብወርቂ ኣስረሐ። ንኹሎም ኣብታ መንግስቱ ዝነበሩ መራሕቲ ጸዊዑ ነቲ ምስሊ ክሰግዱ ኣዘዞም። ሰለስተ ኣዕሩኽ ዳንኤል ግና ነቲ ወርቃዊ ሓወልቲ ንምስጋድ ፍቃደኛ ኣይነበሩን። ምኽንያቱ ኣምልኾ ዝግብኦ እግዝኣብሄር ጥራይ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ኢዩ።
እቲ ንጉስ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ተቘጥዐ። በዚ ምኽንያት ድማ ናብ ዓቢ ሓዊ ከምዝድርበዩ ገበረ። ናይ እግዝኣብሄር መልኣኽ ስለ ዝመጸሎም ግና፡ እቲ ሓዊ ኣየቃጸሎምን። እቲ ንጉስ ነዚ ምስ ረኣየ ከአ፡ ብጣዕሚ ተደኒቁ “ኣርባዕተ ሰባት ብሓዊ ክመላለሱ ይርኢ ኣለኹ። ሓደ ካብኣቶም መልኣኽ ኣምላኽ ይመስል” በለ። ብኡብኡ ነቶም ሰለስተ ሰባት ካብቲ ሓዊ ክወጹ ጸውዖም። ሽዑ “ከም ኣምላኽ እስራኤል ዝበለ ዓቢ ኣምላኽ የልቦን” በለ። ድሕሪ ሕጂ ኩሎም ሰባት ናይ እስራኤል ኣምላኽ ጥራይ ከምልኩን፡ ንእግዛአብሄር ብፍጹም ከይጸርፉን ሕጊ አውጽዐ።
The Golden Statue and the Three Men
Daniel 3
One day the King of Babylon commanded a big golden statue to be made that looked like him. When it was finished, he called all the leaders of his kingdom and told them to bow down and worship the statue. But Daniel’s three friends refused to bow down for they knew that only the God of Israel was worthy to be worshipped.
When the king heard this, he became very angry. So he had them thrown into an enormous fire. But God’s angel came and protected them, so the fire did not burn them. When the king saw what happened, he said, “What on earth is going on here? I see four people walking about in the fire. And one of them looks like an angel!” He quickly called the men to come out and said, “No other god is as great as the God of Israel.” He then made a law saying that from now on no one should ever insult the God of Israel.

እግዚኣብሄር ነቶም ሰለስተ ሰባት ካብ ሓዊ ምስ ኣድሓኖም
ስለምንታይ እዮም ኣዕሩኽ ዳንኤል ነታ ብወርቂ ዝተሰርሐት ሓወልቲ ዘይሰገዱ?
ምኽንያቱ ስግደት ዝግብኦ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ።
73. ዳንኤል ምጽላይ ኣየቋረጸን
ዳንኤል 6
ዳንኤል ብተኣማንነት ስለ ዘገልግል እቲ ንጉስ ይፈትዎ ነበረ። ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ግን ብዳንኤል ቀንኡ። ዳንኤል ወትሩ ዝጽሊ ሰብ ምዃኑ እውን ይፈልጡ ነበሩ። ስለዚ ናብ ንጉስ ከይዶም “ሓደ እኳ ንሰላሳ መዓልቲ ናብ ኣምላኹ ኣይጽሊ፡ እንተ ጸለየ ግና ናብ ጉድጓድ ኣናብስ ይደርበ” ዝብል ሕጊ ኣውጽኡ።
ዳንኤል ግን ከም ልማዱ መዓልታዊ ናብ እግዛአብሄር ምጽላይ ቀጸለ። እቶም ሰበስልጣን ዳንኤል ክጽሊ ከሎ ረኣይዎ። ሽዑ ብታህዋኽ ናብ ንጉስ ብምኻድ ዝረኣይዎ ነገርዎ።
Daniel Keeps Praying
Daniel 6
The king loved Daniel, because he served him faithfully. For this reason, some leaders became jealous of Daniel. They knew that he was a man who prayed every day. Therefore, with the king’s permission, they made a new law. It said: “Nobody is allowed to pray to any god for thirty days. But if someone does pray, he will be thrown into the pit with lions.”
Daniel however kept praying to God as usual. And when the leaders saw him pray, they quickly went to the king and reported it to him.

ዳንኤል ናብ ኣምላኽ ክጽልይ ከሎ
ዳንኤል ናብ መን እዩ ጸልዩ?
ዳንኤል ናብ እግዛአብሄር ጸልዩ።
74. ዳንኤልን ኣናብስን
ዳንኤል 6
ንጉስ፡ ዳንኤል ናብ ኣምላኽ ከም ዝጸለየ ምስ ሰምዐ፡ ይፈትዎ ስለዝነበረ፡ ኣዝዩ ሓዘነ። ነፍሱውን ተጨነቐት።
እቲ ሕጊ ዘይቅየር ስለዝኮነ፡ ንጉስ ክሕግዞ ኣይከኣለን።
ስለዚ ንዳንኤል ናብቲ ኣናብስ ዘለዎ ጕድጓድ ደርበይዎ። ኣብ መወዳእታ ንጉስ ንዳንኤል “እቲ ወትሩ እተምልኾ ኣምላኽካ የድሕንካ ኢሉ!” ናብ ገዝኡ ተመልሰ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ንጉስ ብታህዋኽ ናብቲ ጉድጓድ ብምኻድ “ዳንኤል፡ ኣምላኽካ ኣድሒኑካ ድዩ?” ኢሉ ጨደረ። ዳንኤል ድማ “እወ፡ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ ኣድሒኑኒ” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ብኡንብኡ እቲ ዝነበሮ ዓቢ ስልጣን ከምዝምለሰሉ ገበረ። እቲ ንጉስ ንዅሎም ህዝቢ ነቲ ሓያል ዝኾነ ኣምላኽ ዳንኤል፡ እግዚአብሄር ጥራይ ኬምልኹ ኣዘዞም።
Daniel and the Lions
Daniel 6
When the king heard that Daniel had prayed to God, he was very worried and sad, because he loved Daniel. But he was not able to help him since the law could not be changed. Therefore, they threw Daniel into the pit with lions. Before the king went home he said to Daniel, “May the god that you always worship rescue you!”
Early the next morning the king got up, quickly went to the pit and shouted, “Daniel, did your God save you?” And Daniel answered, “Yes, my God sent his angel, shut the mouths of the lions and saved me.” The king was, of course, very happy. He immediately returned Daniel to his high position. Additionally, he commanded that everyone must be in awe of Daniel’s powerful God.

እቲ መላኣኽ ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ክሕልዎ ከሎ
እግዚኣብሄር ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ከድሕኖ ንመን እዩ ልኢኹ?
ንዳንኤል ከድሕኖ መልኣኹ ኢዩ ልኢኩ።
75. ከተማ ኢየሩሳሌም ዳግማይ ተሃነጸት
መጽሓፍ ነህምያ + እዝራ
ካብቶም ብባቢሎን ተማሪኾም ዝተወስዱ እስራኤላውያን እቶም ቀዳሞት ናብ ዓዶም ተመልሱ። ነቲ ዝዓነወ ቤተ መቕደስ ድማ ዳግማይ ክሃንጽዎ ጀመሩ። ጸላእቶም ንኸይሃንጹ ስለ ዝዓገትዎም ግን ተስፋ ቆሪጾም ገዲፎምዎ ነበሩ። እግዚኣብሄር ብቃሉ ብነብያት ሃጌን ዘካርያስን ኣቢሉ ኢዩ ኣተባቢዕዎም። ሽዑ እቶም ህዝቢ ቀልጢፎም ነቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሖም ወድኡ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት፡ ነህምያ ዝስሙ ሰብኣይ ናብ የሩሳሌም ከይዱ መካበብያ እታ ዝዓነወት ከተማ ዳግማይ ኪሃንጽ ወሰነ። እቶም ህዝቢ ምስ ነህምያ ክሰርሑ ተሰማምዑ። ነቲ ሕማቕ ተግባራቶም ድማ ኣቋረጽዎ። ድሕሪኡ ብሓባር ክሰርሑ ጀመሩ። ፍርቂ ካብቶም ሰብኡት ነቲ መካበብያ ክሃንጽዎ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ድማ ነታ ከተማ ይሕልዋ ነበሩ። እግዚኣብሄር ስለ ዝሓገዞም ድማ ኣብ ሓምሳን ክልተን መዓልቲ ኩሉ ናይ እምኒ መካበብያ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ሰሪሖም ወዲኦም። ህዝቢ ድማ በዚ ኣዝዩ ተሓጒሱ። ብመዝሙር ድማ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
Jerusalem Rebuilt
Books: Ezra + Nehemiah
When the first Israelites returned from exile to their land, they started to rebuild the temple that had been destroyed. But because their enemies troubled them, they were discouraged and stopped. So God sent the prophets Zechariah and Haggai to encourage them to continue rebuilding his house. After that, they quickly finished building it.
A few years later, a man called Nehemiah came to Jerusalem and decided to rebuild the city walls that had been destroyed. The people there agreed to join him. They stopped doing evil things and started to work together in unity. While half of the people worked on rebuilding the wall, the others guarded the city. And because God helped them, they finished building the whole city wall in 52 days. Then the people celebrated and thanked God with songs.

ህዝቢ መካበብያ እታ ከተማ ካብ ጸላእቶም እናሓለዉ ክሰርሑ ከለዉ
እቶም ህዝቢ መካበብያ እየሩሳሌም ቀልጢፎም ዝሃነጽዎ ብኸመይ እዮም?
እግዚኣብሄር ስለ ዝሓገዞምን ብሓባር ስለ ዝሰርሑን ቀልጢፎም ዛዚሞም።
76. ትምህርቲ እዝራ
ነህምያ 8-10 ከምኡውን እዝራ 8
ኣብ ካልእ እዋን እዝራ ዝስሙ ካህን ካብ ባቢሎን ናብ እየሩሳሌም ተመልሰ። ቃል እግዚኣብሄር ናይ ምምሃር ክእለት ድማ ነበሮ። ንእስራኤላውያን ከመይ ጌሮም ንኣምላኽ ክነብሩ ከም ዘለዎም ምሂርዎም እዩ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ንትምህርቱ ብቐሊሉ ኺርድእዎ ይሕግዝዎም ነበሩ።
ሓደ ግዜ እቶም ህዝቢ ሕጊ ኣምላኽ ምስ ሰምዑ ተስፋ ስለ ዝቘረጹ፡ ድግስ ኪገብሩ ነገሮም። ኮምኡውን ንኣምላኽ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገበረሎም ኩሉ ሰናይ ነገራት እናዘከሩ ኣመስገኑ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እቶም ህዝቢ ንኣምላኽ ከም ዝእዘዙ ቃል ኣተዉ።
በዚ ኸምዚ፡ ነህምያን እዝራን ነቶም ናብ እየሩሳሌም እተመልሱ ህዝቢ ብሓባር የገልግሉ ነበሩ።
Ezra’s Teaching
Nehemiah 8-10 and Ezra 8
At a certain time, a priest called Ezra also returned from Babylon to Jerusalem. He had the skill to teach the word of God. So he taught the Israelites how to live their lives with God. And some men assisted him, so that the people could easily understand his teaching.
One time, when the people were listening to the law of God, they were discouraged and wanted to give up. So Ezra told them to celebrate a feast. At the celebration they consciously remembered all the good things God had done for them in the past and thanked him. And afterwards they promised to keep God’s laws.
This is how Nehemiah and Ezra together served the people who had returned to Jerusalem.

እቲ ህዝቢ ቃል ኣምላኽ ክሰምኡ ከለው
ህዝቢ እንታይ ዘኪሩ?
ኩሉ እቲ ቅድሚ ሕጂ እግዚኣብሄር ዝገበረሎም ሰናይ ነገራት ዘከሩ።
ኢሳያስ 9 + 11 + 53 ወዘተ
ኣብ ምድሪ እስራኤል ኢሳይያስ ዝበሃል ሓደ ነብይ ነበረ። ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ንህዝቢ እስራኤል ብተደጋጋሚ የጠንቅቖምን የተባብዖምን ነበረ። እስራኤላውያን ግን ከም ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዙን። ኢሳያስ ኣብ መጻኢ ካብ ሓጢኣቶም ዘንጽሆም መድሓኒ ከም ዝመጽእ ነገሮም። ብዛዕባ ኢየሱስ እውን “እዚ መድሓኒ እዚ ክሕልወኩምን፡ ክፍውሰኩምን፡ ኮሙኡ ውን ንሰባት የዕሩኽ ኣምላኽ ክገብሮም እዩ” ክብል ትንቢት ተዛሪቡ።
ነዚ ትንቢት እዚ ኢየሱስ ቅድሚ ምውላዱ 700 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ገሊጹ ነይሩ።
A Prophecy About Jesus
Isaiah chapter 9, 11, 53 etc.
There was a prophet in Israel called Isaiah. Through him, God repeatedly both warned and encouraged his people. But just like Adam and Eve, the people didn’t obey God. Isaiah told them about a Saviour who would come in the future and take away their sins. He prophesied about Jesus when he said, “This Saviour will protect you, heal you and restore your friendship with God.”
Isaiah prophesied thist already 700 years before Jesus was born.

700 ዓመታት በፊት
ኢሳያስ ኣብ መጻኢ ካብ ሓጢኣቶም ዘንጽሆም መድሓኒ ከም ዝመጽእ ኽነግሮም ከሎ
ኢሳይያስ ብዛዕባ መን እዩ ተነቢዩ?
ብዛዕባ መድሓኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ተዛሪቡ።


ኣብ ታሪኽ 49-77 ድለዩ፡
77. ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተነግረ ትንቢት