ትግርኛ 78 – 103
ልደትን ኣገልግሎትን የሱስ
Birth and Ministry of Jesus

ኣብ ታሪኽ 49-77 ድለዩ፤
78. ልደት ዮሓንስ መጥምቕ
ሉቃስ 1
ካህን ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ህይወት ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን እዮም ነይሮም። ክሳዕ ዚኣርጉ ድማ ውሉድ ኣይነበሮምን። ሓደ መዓልቲ መለአኽ ገብርኤል ዘካርያስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናኣገልገለ ከሎ ተራእዮ። ዘካርያስ ንገብርኤል ምስ ረኣዮ ብፍርሒ ተንቀጥቀጠ። እቲ መልኣኽ ድማ “ኣጆኻ፡ ኣይትፍራሕ! ኣብ ቀረባ እዋን ንዓኻን ንብዙሓትን ሓጎስ ዝኸውን ቆልዓ ክትወልድ ኢኻ። ንስሙ ከአ ዮሃንስ ኢልካ ስመዮ! ንሱ ድማ ንልቢ ህዝቢ ንምጽኣት ክርስቶስ መድሓኒ ከዳሉ እዩ” በሎ። ዘካርያስ ንሱን ሰበይቱን ኣሪጎም ስለ ዝነበሩ፡ እዚ ብኸመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓተተ። እቲ መልኣኽ ድማ “ነቲ ዝበልኩኻ ዘረባ ስለ ዘይኣመንካ፡ ወድኻ ክሳዕ ዝውለድ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ። ዘካርያስ ብኡንብኡ ድማ ምዝራብ ተሰኣኖ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ኤልሳቤጥ ወዲ ወለደት። ዘካርያስ ድማ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝነገሮ ዮሃንስ ኢሉ ሰመዮ። ሽዑ ውን ከም ብሓድሽ ክዛረብ ጀመረ።
The Birth of John the Baptiser 
Luke 1
The priest Zechariah and his wife Elizabeth lived a life pleasing to God. They were already old, yet still had no child. But one day the angel Gabriel appeared to Zechariah as he was serving in the Temple. Zechariah trembled with fear when this happened. The angel said to him: “You don’t need to be afraid. Soon you will have a son who will bring joy to you and to many others. You must call him John. He will prepare the hearts of the people for the coming of the promised Saviour.” Following that, Zechariah asked the angel how this could happen since he and his wife were already old. The angel answered: “Because you did not believe what I told you, you will not be able to speak until the birth of your son.” And immediately Zechariah could not speak anymore.
Several months later Elizabeth gave birth to a son and Zechariah named him John, as the angel had told him to. At that time, he started to speak again.

እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ ንዘካርያስ ጸሎቱ ከም ዝተሰምዐ ወዲ ከም ዝህቦ ምስ ነገሮ
እቲ መልኣኽ ብዛዕባ ስራሕ ዮሃንስ እንታይ ከም ዝከውን ተዛሪቡ? 
ስርሑ ልቢ ህዝቢ ንምጽኣት ክርስቶስ መድሓኒ ምድላው ምዃኑ ተዛረበ።
79. ገብርኤል ንማርያም ተራእያ 
ሉቃስ 1
ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ እግዚኣብሄር ንመለአኹ ገብርኤል ናብ ማርያም እትበሃል ሰበይቲ ሰደዶ። ንሱ ድማ፡ “ጎይታ ምሳኪ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ! ቆልዓ ክትወልዲ ኢኺ። ስሙ የሱስ ኢልኪ ጸውዕዮ። ወዲ ኣምላኽ ድማ ክበሃል ኢዩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ቃል ዝኣተዎ ንዘልኣለም ንጉስ ክኸውን እዩ” በላ። ማርያም ዘይተመርዓወት ጓል ስለ ዝነበረት ነቲ መልኣኽ “ሕራይ፡ እዚ ግን ከመይ ክከውን ይከኣል” ኢላ ሓተተቶ። እቲ መልኣኽ ድማ “እዚ ብሓይሊ ኣምላኽ ኢዩ ዝኸውን” በላ። ማርያም ድማ ነቲ ብመልአኽ ዝመጸ ቃል ብእምነት ተቐበለቶ።
ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ናብ ዘመዳ ኤልሳቤጥ ከደት። ኣብኡ ምስ በጽሐት፡ ስለ እቲ ዝተገብረሎም ነገር ብሓባር ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
Gabriel Appears to Mary 
Luke 1
Some months later God sent the angel Gabriel to a woman called Mary. He said to her: “Don’t be afraid, for the Lord is with you. You will give birth to a son. You must name him Jesus. He will be called ‘Son of God’. As God promised to David, he will be king forever.”
Because Mary was not yet married, she responded to the angel, “Yes, okay, but how can this happen?” The angel replied that this would happen by God’s power. And Mary believed and accepted the angel’s message.
A few days later, she went to visit her relative Elizabeth. When she arrived there, they praised God together for what he had done for them.

እግዚኣብሄር ብመልኣኹ ገብርኤል ገይሩ ማርያም ቆልዓ ከምትወልድ ክነግራ ከሎ
ሓደሓደ ጊዜ እግዚኣብሄር ብጣእሚ አገዳሲ ነገር ብመልአኹ ይዛረብ ኢዩ። እቲ መልኣኽ ንማርያም እንታይ ነገራ? 
የሱስ ዝተባህለ ወዲ ኣምላኽ ከም እትወልድ ነገራ።
80. ልደት የሱስ
ማቴዎስ 1 + ሉቃስ 2
ማርያም ብዛዕባ እቲ ክትወልዶ ዝነበራ ቆልዓ ምስ ሰምዐት፡ ዮሴፍ ዝበሃል ሕጹይ ነበራ። ምስ ዮሴፍ ቅድሚ ምምርዓዎም ድማ ብእግዚኣብሄር መንፈስ ጠነሰት። ሓደ መልኣኽ ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዩ ማርያም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ገለጸሉ። ስለዚ ነቲ ንማርያም ክምርዖ ዝነበሮ ሓሳብ ከይገድፎ ነገሮ።
መንግስቲ ንቁጽሪ ህዝቢ ይምዝግብ ስለ ዝነበረ፡ ዮሴፍን ማርያምን ክምዝገቡ ናብ ከተማ ቤተልሔም ተጓዒዞም። ኣብ ቤተልሔም ከለዉ ማርያም ንየሱስ ወለደቶ። ዝሓድሩሉ ቦታ ስለ ዘይረኸቡ፡ እንስሳታት ኣብ ዝበልዓሉ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። ኣብታ የሱስ እተወልደላ ለይቲ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኦም ኣባጊዖም ዚጓስዩ ዝነበሩ ጓሶት ሓደ መልኣኽ ተራእዮም። ንሱ ድማ “ኣይትፍርሑ፡ ሎሚ መድሓኒ ዝኮነ ጎይታ ኣብ ቤተልሄም ተወሊዱልኩም ኣሎ” በሎም። ናብ ቤተልሄም ከይዶም ንየሱስ ምስ ማርያምን ዮሴፍን ረኸብዎ። ምስ ረኣይዎ ብጣዕሚ ተሓጒሶም ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
Jesus’ Birth
Matthew 1 + Luke 2
When Mary heard that she would give birth to a son, she was engaged to a man called Joseph. That means she was not married yet when she became pregnant by God’s Spirit. Then an angel appeared to Joseph. He explained to him in a dream that Mary became pregnant by the Holy Spirit and he should not change his mind about marrying her.
Some time later, Joseph and Mary had to travel to the town of Bethlehem to be registered, because the government was counting the people. While they were there, Mary gave birth to Jesus. She laid her son in a food tray in an animal shelter, since they had not found a house to stay in.
During the night that Jesus was born, an angel appeared to shepherds in the field. He said to them, “Don’t be afraid. Today the promised Saviour has been born in Bethlehem.” So they went to Bethlehem and found Jesus together with Mary and Joseph. When they saw him, they rejoiced and praised God.

ድሕሪ ምውላድ የሱስ፡ እቶም ጓሶት ናብ ቤተልሄም ቀልጢፎም በጺሖም ክርእዩ ከለው
ኣምላኽ ናብ ሰባት ዝለኣኾ መድሓኒ መን እዩ?
እቲ ዝተለኣከ መድሓኒ የሱስ እዩ።
81. ምምጻእ ሰብ ጥበብ ናብ የሱስ
ማቴዎስ 2
ሰብ ጥበብ ሓደ ፍሉይ ኮኾብ ካብ ምብራቅ ክለዓል ርእዮም። በዚ ድማ ኣብ እስራኤል ሓድሽ ንጉስ ከም ዝተወልደ ተረድኡ። ነቲ ዝተወልደ ንጉስ ክርእዩ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ናብ ኢየሩሳሌም በጽሑ። ኣብኡ ድማ ነቶም ህዝቢ “እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣበይ ክንረኽቦ ኢና? እቲ ኮኾብ ብሸነኽ ምብራቕ ክለዓል ርኢና ክንሰግዶ መጺእና” ኢሎም ሓተትዎም። መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ መድሃኒ ኣብ ቤተልሔም ከም ዝውለድ ነጊሮምዎም። ነብያት እግዚኣብሄር ቅድሜ ብዙሕ ዓመታት ነዚ ተዛሪቦም ነይሮም። ስለዚ እቶም ሰብ ጥበብ ተንሲኦም ናብ ቤተልሔም ከዱ። እቲ ኮኾብ ክመርሖም ከሎ ድማ ኣብታ የሱስ ዝነበረላ ቤት ምስ በጽሑ ደው በለ። ናብቲ ገዛ ምስ ኣተዉ፡ ነቲ ህጻን የሱስ ምስ ኣዲኡ ማርያም ረኸብዎ እሞ ሰገዱሉ። ነቲ ዘምጽእዎ ክቡር ህያባት ድማ ሃብዎ።
እግዚኣብሄር፡ ምምጻእ ንጉስ ነገስታት ብቃሉ፡ ብነብያት፡ ብመላእኽትን ብፍሉይ ኮኾብን ኣቢሉ ኣበሲሩ ነይሩ።
The Visit of the Wise Men
Matthew 2
Wise men from the east saw a special star rising. By this they knew that a new king was born in Israel. So they set out from their country to visit the new king and after a long journey arrived in the city of Jerusalem. There they asked the people, “Where can we find the new born king? We have seen his star rise in the east and have come to honour him.” Teachers of the Bible then informed them that the Saviour would be born in Bethlehem. God’s prophets had announced this many hundreds of years before. Based on these words the wise men went to Bethlehem. The star guided them and stopped above the house where Jesus was. When they went inside, they found Jesus with his mother Mary and they bowed down before him. They gave him the precious gifts they had brought.
God made the arrival of the King of Kings known through his word, through prophets, angels and even through a special star.

እቶም ሰብ ጥበብ ንየሱስ ኣኽቢሮም ህያባት ክሕብዎ ከለው
እቶም ሰብ ጥበብ ምስ የሱስ ምስ ተራኸቡ እንታይ እዮም ገይሮም?
እቶም ጠቢባን ንየሱስ ሰጊዶም ነቲ ዘምጽእዎ ህያባት ድማ ሃብዎ።
82. ስምኦንን ሃናን
ሉቃስ 2
ስምኦን ዝተባህለ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ ኣምላኽ ንመድሓኒኡ የሱስ ከይረኣየ ከም ዘይመውት ስለ ዝነገሮ፡ ንነዊህ እዋን ብእምነት ይጽበ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ዮሴፍን ማርያምን ምስ ህጻን የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ከዱ። ስምኦን ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ናባታቶም መጺኡ ነቲ ህጻን የሱስ ሓቚፉዎ። ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበዮ መድሓኒ ምስ ረኣየ፡ ንኣምላኽ ብሓጎስ ኣመስገኖ። ንሱ ድማ “የሱስ ንኹሉ ሰብ ህይወት ዝህብ ብርሃን እዩ” በለ። ይኹን እምበር ዘይቅበልዎ ሰባት ክህልዉ እዮም ኢሉ ተዛረቦም።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሃና እትበሃል ነብዪት ነበረት። ነቲ ህጻን የሱስ ምስ ረኣየቶ ድማ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፡ ንሱ መድሓኒ ምዃኑ ነቶም ህዝቢ ነገረቶም።
Simeon and Anna
Luke 2
A man of God named Simeon had been waiting patiently for a long time, because God had told him that he would not die before seeing the Saviour.
One day Joseph and Mary went to the Temple with baby Jesus. Then Simeon came to them, because the Holy Spirit led him. He took Jesus in his arms and thanked God full of joy. He finally saw the Saviour that he had been waiting for for a long time. He said, “Jesus is the light which gives life to all people.” Nevertheless he also said that not everybody would accept him.
At that time there was a prophetess called Anna in the Temple as well. She also praised God when she saw the child and told the people that he is the Saviour.

ማርያምን ዮሴፍን በቲ ስምኦንን ሃናን ብዛዕባ እቲ ህጻን ዝበልዎ ቃል ክግረሙ ከለው
የሱስ ህይወት ዝህብ ብርሃን ዝከውን ንመን እዩ?
የሱስ ናይ ህይወት ብርሃን ዝከውን ነቶም ዝቅበልዎ ሰባት ኹሉ እዩ።
83. የሱስ ወዲ 12 ከሎ ኣብ ቤተ መቕደስ ተረፈ
ሉቃስ 2፡41-52
ኣብ ሃገረ እስራኤል እቶም ህዝቢ ንቐንዲ በዓላት ናብቲ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ይኸዱ ነበሩ። ከም ልማዶም ማርያምን ዮሴፍን ፋስጋ ከብዕሉ ምስ ከዱ፡ ንየሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ናብ ቤተ መቕደስ ወሰድዎ። እቲ በዓል ምስ ተዛዘመ ድማ ነዊሕ ጉዕዞ ናብ ገዝኦም ክጓዓዙ ጀመሩ። ኣብ መጀመርታ ግና የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ከም ዝተረፈ ኣይፈለጡን ነበሩ። ክደልይዎ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸብዎ። ኣብኡ ድማ ምስ መምህራን ሕጊ እስራኤል ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ይዘራረብ ነበረ። ኩሎም በቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍልጠት ተገረሙ። ኣብ መወዳእታ ዮሴፍን ማርያምን ምስ የሱስ ናብ ቤቶም ተመልሱ።
12 Year Old Jesus in the Temple
Luke 2:41-52
For celebrating their most important holidays Israelites went to Jerusalem, because the only Temple for God was there. Also Mary and Joseph were used to go to Jerusalem every year to celebrate the Passover feast. When Jesus was 12 years old, he went along with them. And after the holiday, they set out on the long journey back home without knowing that Jesus had stayed behind in the Temple. Finally Joseph and Mary returned to Jerusalem to look for him. After three days of searching they found him in the Temple. There he was discussing God’s Word with the teachers of Israel’s law. Everyone was amazed at the knowledge Jesus had about God. After Joseph and Mary found him, he went back home with them.

የሱስ ገና ቆልዓ ከሎ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ክሓትትን ክምልስን ከሎ
እቶም ንየሱስ ዝሰምዑ ሰባት ስለምንታይ እዮም ተገሪሞም?
በቲ የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍልጠት ተገረሙ።
84. ጥምቀት የሱስ
ሉቃስ 3፡21-22
ዮሃንስ መጥምቕ ንእስራኤላውያን ንኣምላኽ ባህ ዘብል ህይወት ክነብሩ ኣተባቢዕዎም እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ክፉእ ተግባራቶም ዝሓደጉ ናብ እግዚኣብሔር ዝተመልሱን ብዙሓት ሰባት ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣጥመቐ። እቲ እግዚኣብሄር ቃል ዝኣተወሎም መድሓኒ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከም ዝመጽእ እውን ነቶም ሰባት ይነግሮም ነበረ።
ሓደ መዓልቲ የሱስ መጺኡ ብዮሃንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠመቐ። ብኡንብኡ ምስ ተጠመቐ መንፈስ ኣምላኽ ብመልክዕ ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ። ኡንብኡ ድማ “ንስኻ ፍትው ወደይ ኢኻ! ኩሉ ግዜ ብኣኻ ክሕጎስ እየ” ዝብል ድምጺ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ተሰምዐ።
The Baptism of Jesus
Luke 3:21-22
John the Baptizer encouraged the Israelites to live as God wanted them to live. Many people listened to his message, stopped doing evil and turned to God. He baptized them in the river Jordan. He also told the people that the Saviour that God had promised would come soon.
One day also Jesus was baptized by John in the river Jordan. As he was baptized, God’s Spirit came down upon him in the form of a dove. Immediately God’s voice was heard from heaven: “You are my dear son, you always bring me great joy.”

የሱስ ምስ ተጠመቐ መንፈስ እግዚኣብሔር ብመልክዕ ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ከሎ
የሱስ ክጥመቕ ከሎ ናይ መን ድምጺ ተሰሚዑ?
ድምጺ ኣምላኽ ተሰምዑ።
85. የሱስ ንሓሳብ ሰይጣን ተቓወሞ
ሉቃስ 4፡1-11
የሱስ ምስ ተጠመቐ ኣብ በረኻ ንኣርብዓ መዓልቲ በይኑ ጸንሐ። ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ዝኾነ መግቢ ኣይበለዐን። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሰይጣን ነቲ ሕማቕ ሓሳቡ የሱስ ኺቕበሎ ፈቲኑ እዩ። የሱስ ግን ነቲ ሰይጣን ዝሃቦ ናይ ተንኮል ምኽሪ ፈጺሙ ኣይተቐበሎን። ነቲ ሕማቕን ክፉእን ሓሳባት ንምቅዋም ቃል እግዚኣብሄር ተጠቒሙ። ሰይጣን እቲ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይተዓወተ ምስ ረኣየ፡ ንየሱስ ገዲፍዎ ከደ። ብድሕሪ እዚ የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ክምህርን ንሰባት ካብ ዝተፈላለየ ሕማማት ክፍውስን ጀመረ። ሽዑ ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ።
Jesus Resists Satan’s Suggestions
Luke 4:1-11
After Jesus was baptized, he was in the desert on his own for fourty days. During that time he didn’t eat anything. And Satan came and tried to make him accept his evil ideas. But Jesus rejected his tricky advice. He countered all his evil suggestions with the word of God. When Satan saw that he was not successful, he left Jesus and went away.
Afterwards Jesus started to teach about God and heal people from all sorts of diseases. He was about thirty years old at the time.

ሰይጣን ነቲ ሕማቕ ሓሳቡ የሱስ ምእንቲ ክቕበሎ ምስ ፈተነ
የሱስ ሓሳብ ሰይጣን ምስ ሰምዐ እንታይ እዩ ገይሩ?
ንሓሳብ ሰይጣን ተቓወሞ።
86. የሱስን ገፈፍቲ ዓሳን
ሉቃስ 5፡1-11
ሓደ መዓልቲ የሱስ ኣብ ጥቓ እቲ ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩሉ ቀላይ መሃረ። ድሕሪ ትምህርቲ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ መርበቦም ዓሳ ክሕዙ ነገሮም። ምሉእ ለይቲ ከም ዝፈተኑን ዓሳ ክሕዙ ከም ዘይከኣሉን ነገሩዎ። የሱስ ስለ ዝተዛረቦም ግና መሊሶም ክገፉ ፈተኑ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሕ ዓሳታት ሒዞም። ብዝሒ ዓሳ ነተን ዝሓዝወን ክልተ ጀላቡ መሊኡ ነበረ። በዚ ድማ የሱስ ሓይሊ እግዚኣብሄር ከም ዘለዎ ፈለጡ። ስለዚ ሰዓብቱ ክኾኑን ካብኡ ክመሃሩን ወሰኑ።
Jesus and the Fishermen
Luke 5:1-11
One day Jesus taught beside a lake where there were some fishermen. After he finished teaching, he told the fishermen to try catching some fish with their nets. They responded that they had already tried the whole night and had not succeeded. But because Jesus told them to, they tried again. And this time they caught so many fish that they were able to fill two boats. By this they realized that God’s power was with Jesus. And they decided to become his followers and learn from him.

እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ከምቲ የሱስ ዝበሎም ዓሳ ንምሓዝ መርበቦም ክድርብዩ ከለዉ
እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ብቓላት የሱስ ብዙሕ ዓሳ ምስ ሓዙ እንታይ ፈሊጦም?
የሱስ ሓይሊ እግዚኣብሄር ከም ዘለዎ ፈልጡ።
87. የሱስ ብርቱዕ ዓሶ ከምዝፈወሰ
ሉቃስ 4፡38-41 + ማቴዎስ 8፡14-17
ሓደ መዓልቲ የሱስ ንስድራ ጴጥሮስ በጽሖም። ሓማት ጴጥሮስ ብብርቱዕ ዓሶ ሓሚማ ደቂሳ ነይራ። ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ንየሱስ ኬሕውያ ለመንዎ። የሱስ ልመናኦም ሰሚዑ ነቲ ዓሶ ክገድፋ ኣዘዞ። ብኡ ንብኡ ካብ ሕማማ ሓወየት፡ ተንሲኣ አገልገለቶም። በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሱስ ንብዙሓት ካልኦት ሕሙማት ኣሕወየ። እቶም ብሰይጣን ብኣጋንንትን እተጨነቁ ሰባት ሓራ ኣውጽኦም። እቶም ክፉኣት መናፍስቲ ድማ የሱስ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ እናበሉ ካብ ሰባት እናጨደሩ ይወጹ ነበሩ።
Jesus Heals From Fever
Luke 4:38-41 + Matthew 8:14-17
One day Jesus visited Peter’s family. Peter’s mother-in-law had high fever and was quite sick. When the people asked Jesus to heal her, he commanded the fever to leave. And she got well immediately. She got up and served the guests.
That evening Jesus healed many other sick people too. Also people who were troubled by evil spirits were set free. These spirits came out of the people screaming that Jesus is the Son of God.

የሱስ ንሓማት ጴጥሮስ ምስ ኣሕወያ
የሱስ ብሓይሉ እንታይ ገበረ?
የሱስ ንሕሙማት ፈዊሱ፡ ነቶም ብሰይጣን ኣጋንንትን ዝጭነቁ ሓራ ኣውጽኦም።
88. የሱስ ንሓደ ናይ ቆርበት ሕማም ዘለዎ ኣሕወየ
ሉቃስ 5፡12-16
የሱስ ብዛዕባ እግዚኣብሄር እናመሃረን ንሕሙማት እናፈወሰን ኣብ ምድሪ እስራኤል ይዘውር ነበረ። ብዙሓት ካብቶም ሰባት ነቲ ምስ የሱስ ዝነበረ ሓይሊ ኣምላኽ ምስ ረኣዩ ኣዝዮም ተገረሙ። ገሊኦም ኪቕበልዎ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ኣይተቐበልዎን።
ሓደ መዓልቲ ሓደ ከቢድ ሕማም ቆርበት ዝነበሮ ሰብኣይ ንየሱስ ረኣዮ። ንሱ ድማ “እንተደሊኻ ክትፍውሰኒ ትኽእል ኢኻ” በለ። የሱስ “እወ ክትፍውስ እደሊ ኣለኹ” በለ። ብኡንብኡ እቲ ሰብኣይ ምሉእ ብምሉእ ሓወየ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ምስ ሰምዑ ክፍውሶም ናብ የሱስ ተኣከቡ። ንሱ ግን ከም ልማዱ ካብ ሰባት ርሒቑ በይኑ ይጽሊ ነበረ።
Jesus Heals a Man with Leprosy
Luke 5:12-16
Jesus traveled through the country of Israel teaching about God and healing many from their diseases. Many people were amazed at the power of God that was with Jesus. Some people liked him while others rejected him.
One day a man who was very sick with leprosy saw Jesus and said, “If you want, you can heal me.” Jesus told him in response, “Yes, I want to,” and the man was completely healed at once. Many people gathered around Jesus to be healed when they heard this. But Jesus withdrew to a lonely place to pray, as he did regularly.

የሱስ ንሓደ ሕማም ቆርበት ዝነበሮ ሰብኣይ ምስ ኣሕወየ
ሕማም ቆርበት ዝነበሮ ሰብ ብኡንብኡ መን እዩ ዝፈወሶ?
እቲ ዝፈወሶ የሱስ ኢዩ።
89. ስልጣን የሱስ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሕማምን
ሉቃስ 5፡17-26
ሓደ መዓልቲ ሰባት ልሙስ ዝነበረ ዓርኮም ሒዞም ናብ የሱስ መጹ። እቲ ዝምህረሉ ዝነበረ ቤት ግና ብሰባት መሊኡ ስለ ዝነበረ ክኣትዉ ኣይከኣሉን። ስለዚ ናሕሲ እቲ ቤት ከፊቶም ንዓርኮም ኣብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎ። እምነቶም ርእዩ ነቲ ልሙስ “ሓጢኣትካ ይቕረ ኢለልካ” በሎ። የሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፡ ንሓጢኣት ምሕረት ናይ ምግባር ስልጣን ኣለዎ። ነዚ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ሓጢኣቱ ይቕረ ምስ በለሉ፡ ነቲ ልሙስ ብሓይሉ ኣሕወዮ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ ምሕዋይ ናይቲ ልሙስ ምስ ረኣዩ፡ ብስልጣንን ሓይልን የሱስ ተገረሙ።
Jesus’ Power to Forgive and to Heal
Luke 5:17-26
One day some men took their paralyzed friend to Jesus. But when they arrived, they were not able to enter the house where Jesus was teaching. It was too full of people. Therefore the men opened the roof from the outside and lowered their friend in front of Jesus. When Jesus saw their faith, he said to the paralyzed man, “Your sins are forgiven!” Because Jesus is the Son of God, he has the power to forgive sins. To prove this, he then healed the man immediately. When the people there saw that the paralyzed man was healed, they were amazed about the authority and power that Jesus had.

እቶም ሰባት ናሕሲ ከፊቶም ነቲ ልሙስ ዝነበረ ዓርኮም ምስ ኣውረድዎ
ንሓጢኣት ምሕረት ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎ መን እዩ?
ንሓጢኣት ምሕረት ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎ የሱስ እዩ።
90. የሱስን ሌዊን
ሉቃስ 5፡27-32
ናይ መንግስቲ ሮሜ ኣኻቢ ግብሪ ዝነበረ ሌዊ፡ ስሱዕ ሰብ እዩ ነይሩ። ካብ ሰባት ልዕሊ ዓቀን ገንዘብ ይወስድ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ፡ የሱስ ሌዊ ገንዘብ ግብሪ ክእክብ ርእዩ፡ “ስዓበኒ” በሎ። ሌዊ ብኡብኡ ምስ የሱስ ከደ። ኣብ እንዳ ሌዊ ብሓባር በሊዖም። ኣብኡ ካልኦት ብዙሓት እኩያት ሰባትን ሓጥኣን ነበሩ። መምህራን ሕጊ ኣምላኽ ነዚ ምስ ረኣዩ “ስለምንታይ የሱስን ሰዓብቱን ምስ ሓጥኣን ይበልዑ?” ኢሎም ተቖጢዖም። የሱስ “ኣነ ንሓጥኣን ከድሕን እየ መጺአ። ስለዚ ድማ እየ ምስኦም ዘለኹ” በሎም።
የሱስ በዓል ብዙሕ ምሕረትን መድሓንን እዩ።
Jesus and the Greedy Tax Collector
Luke 5:27-32
Levi was a tax collector for the Roman king. He was a greedy man who regularly took more money from people than he was supposed to do. One day Jesus saw him as he was collecting tax and said to him, “Follow me!” And he went with Jesus immediately. When they ate together at Levi’s house, there were also many other evil people and sinners there. When the teachers of God’s law saw this, they became angry and said, “Why do Jesus and the disciples eat with sinners?” Jesus answered them, “I have come to save sinners. That is why I have fellowship with them.”
Jesus, our Saviour, is full of mercy.

የሱስ ምስ ሓጥኣንን እኩያት ሰባትን ክበልዕ ከሎ
የሱስ ንሓጥኣን ንእኩያት ሰባትን ይቕረ ምባል ይፈቱ ድዩ?
እወ፡ ይቕረ ምባል ይፈቱ እዩ።
91. መን እዩ ዝተባረከ?
ሉቃስ 6፡12-42
ሓደ እዋን የሱስ ኣብ ከረን ኮይኑ ምሉእ ለይቲ ጸለየ። ንግሆ ካብ ሰዓብቱ 12 ሃዋርያት መሪጹ። ካብቲ ከረን ምስ ወረዱ ድማ ነቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት መን ዝተባረከ ከም ዝከውን መሃሮም።
ንሱ ድማ “ነቶም ዘፍቅሩና ምፍቃር ቀሊል እዩ። ግናኸ ምእንቲ ክትባረኹ፡ ነቶም ዘፍቅሩኹም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ዝጸልኡኹም ኩሎም እውን ኣፍቅሩ። ነቶም ዝጸልኡኹም ሰናይ እንተ ገበርኩምሎም፡ በዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም። ንጸላእትኹም ጸልዩ፡ ባርኽዎም ድማ። ንሰባት እትገብርዎ ኩሉ ነገር ብንጹህ ልቢ ግበርዎ። ምእንቲ ከይትፍረዱ ድማ፡ ንሰባት ኣይትፍረዱ!” ኢልዎም።
Who Is Blessed?
Luke 6:12-42
One time Jesus prayed all night long on a mountain. After that he chose 12 of his followers to be apostles. When he came down the mountain, he also explained to the crowd that was gathered there how they could be blessed.
Jesus taught: “It is easy to love someone who loves you. In order to be blessed, do not only love people who love you, but also all those who hate you. If you do good to those who hate you, it will show that you are children of God. Pray for your enemies and bless them! Do everything that you do to others with good intentions. Don’t judge others, so that you will not be judged.”

የሱስ ብዛዕባ ሰናይ ምግባርን ንዅሎም ሰባት ምፍቃርን ክምህር ከሎ
ንመን ኢና ሰናይ ክንገብር ዘለና?
ነቶም ዘፍቅሩና ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ዝጸልኡና እውን ሰናይ ክንገብር ይግባእ።
92. ቅኑዕ ጸሎት
ማቴዎስ 6፡5-15
የሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ጸሎት ከምዚ ኢሉ ምሂርዎም፤
ክትጽልዩ ከለኹም ብሰባት ክትረኣዩ ኣይትጸልዩ! ትዕቢተኛታት ሰባት ኩሉ ሰብ ኣብ ዝርእዮም ቦታ ምጽላይ ይፈትዉ። እዚ ዝገብሩ ድማ ካብ ሰባት ክብሪ ክረኽቡ ስለ ዝደልዩ እዮም። እግዚኣብሄር ግን ከምዚ ዓይነት ጸሎት ኣይፈትዎን እዩ። ስለዚ ክትጽልዩ ከለኹም ናብ ቤትኩም አቲኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትሕትና ልቢ ጸልዩ! ንጸሎትኩም ካብ ሰባት ዝኾነ ክብሪ ኣይትጸበዩ! ከምኡ ውን፡ ክትጽልዩ ከለኸለኩም ቃላት ብዙሕ ኣይትደጋግሙ! ምኽንያቱ አብ ሰማይ ዝነብር ኣቦኹም ቅድሚ ምሕታትኩም እኳ ኩሉ ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩ።
The Right Prayer
Matthew 6:5-15
Jesus taught about praying:
“When you pray, do not pray in order to be seen by others. Proud people love to pray at places where everyone can see them. They do that, so that others think highly of them. But God does not reward such prayers. Therefore, go inside your house and pray to God with a humble attitude. Don’t expect to receive honour from other people for your prayers! Also, much repetition is not necessary when you pray, since your heavenly Father knows what you need even before you ask him.”

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በይኑ ዝጽሊ ሰብን ካብ ሰባት ክብሪ ክረክብ ዝጽሊ ሰብን
ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ከለና ብኸመይ ክንጽሊ ኣሎና?
ትሕት ኢልና ብንጹህ ልቢ፡ ብዘይ ትዕቢት ክንጽሊ ኣሎና።
93. ኣብ ከውሒ ገዛ ምስራሕ
ሉቃስ 6፡46-49
የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ናይ ህይወት መሰረት ብምስላ ተዛሪቡ እዩ።
ንሱ ድማ “እቶም ቤቶም ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ዝሃንጹ ሰባት ለባማት እዮም። ምኽንያቱ ኣብ ከውሒ ስለ ዝተሃንጸ፡ ዝኾነ ዓይነት ሽግር እንተመጸ ኣይወድቕን እዩ። እቶም ኣብ ሑጻ ቤቶም ዝሃንጹ ድማ ዓያሹ እዮም። ምኽንያቱ ውሒዝን ንፋስን ምስ መጸ፡ እቲ ዝተሰርሐ ቤት ይፈርስ። ስለዚ አነ ዝምህሮ መንፈሳዊ ትምህርቲ ሰሚዑ ዝእዘዝ ሰብ ቤቱ አብ ከውሒ ከም ዝሰርሐ ለባም ሰብ ኢዩ። እዚ ሰብ እዚ ሽግርን መከራን እንተ ኣጋጠሞ፡ ቃለይ መሰረት ህይወቱ ስለ ዝኾነ፡ ብቐሊሉ ኣይወድቕን እዩ። ኣነ ዝብሎ ሰሚዑ ዘይገብር ሰብ ግን፡ ቤቱ ኣብ ሑጻ ከም ዝሃንጽ ዓሻ ሰብ እዩ ዝመስል። እዚ ሰብ እዚ ሽግርን መከራን እንተ ኣጋጢምዎ ብቐሊሉ ክወድቕ ኢዩ ኢሉ” ምሂሩ።
The House Built on the Rock
Luke 6:46-49
Jesus used an example when he taught about the spiritual foundation of life. He said:
“People who build their house on a rock are wise people. When any kind of trouble comes, the house stands firm, because it is built on a rock. People who build their house on sand, on the other hand, are unwise. For when a flood or a storm comes the house built on sand quickly collapses. People who do what I teach are wise like people who build their house on a rock. When they suffer or get in trouble, they will stand firm, because my word is the foundation of their life. But people who understand what I say but do not live accordingly, are unwise like people who build their house on sand. When such people suffer or troubles come, they are not able to stand strong.”

ውሒዝ ምስ መጸ ዝዓነወ አብ ሑጻ ዝተሃንጸ ገዛን ኣብ ልዕሊ ከውሒ ዝተሃንጸ ዘይፈረሰ ገዛን
ኣብ ጽኑዕ መሰረት ቤት ዝሰርሑ ለባማት ሰባት መን እዮም?
ንትምህርቲ የሱስ ዝሰምዑን ዝእዘዙን ሰባት እዮም።
94. እምነት ሮማዊ ሓለቓ
ሉቃስ 7፡1-10
ሓደ እዋን ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ኣዝዩ ሓመመ። የሱስ ንኽፍውሶ ክልምንዎ ሰባት ናብ የሱስ ለኣኸ። እቲ ሓለቓ እስራኤላዊ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ገይሩሎም እዩ። የሱስ ተንሲኡ ናብቲ ቤት ምስ ቀረበ፡ እቲ ሓለቓ ንኣዕሩኽቱ ልኢኹ፡ “ኣብ ገዛይ ክትኣቱ ብኣካል ክረኽበካ ኣይግብኣንን እዩ። ንሰራሕተኛታተይ ትእዛዝ ክህብ ከለኹ፡ ዝበልክዎ ኩሉ ይገብሩ። ስለዚ እንተደኣ ሓንቲ ቃል ጥራይ ተዛሪብካ፡ ሰራሕተኛይ ክድሕን እዩ” ኢሉ ለመኖ። የሱስ ድማ ብእምነት እቲ ሓለቓ ተገረመ። ነቲ ዝሓመመ ሰብ ናብ ቤቱ ከይኣተወ፡ ቃል ጥራይ ብምዝራብ ኣሕወዮ።
The Faith of a Roman Leader
Luke 7:1-10
One day the servant of a Roman leader became very sick. So he sent people to ask Jesus for his servant to be healed. Although the leader was not from the people of Israel, he did many good things for them. When Jesus was on his way to his house, the leader sent his friends with this message, “I am not worthy that you come to my house to meet me. I can give commands to my workers, and they do everything I say. In the same way, if you command it, my servant will be healed.” Jesus was amazed by the leader’s faith. And without entering his house, he healed the sick person by just speaking a word.

ሰባት ንየሱስ ነቲ ናይ ሮማዊ ሰራሕተኛ ክፍውሶ ምስ ለመንዎ።
የሱስ ዘረባ እቲ ሮማዊ ምስ ሰምዐ እተገረመ ስለምንታይ እዩ?
የሱስ ብእምነቱ ተገረሙ።
95. የሱስ ካብ ሞት ዘተንስኦ መንእሰይ
ሉቃስ 7፡11-17
የሱስ ምስ ሰዓብቱ ናብ ሓንቲ ከተማ ከደ። ኣብ ኣፍ ደገ እታ ከተማ ምስ በጽሑ፡ ሰባት ንሓደ ዝሞተ መንእሰይ ተሰኪሞም ናብቲ መቓብር ክኸዱ ረኣየ። ንሱ እውን እንኾ ውላድ ናይ ሓንቲ ሰብአያ ዝሞታ ሰበይቲ እዩ ነይሩ። የሱስ ድማ ደንገጸላ እሞ “ኣጆኺ ኣይትበከይ!” ኢልዋ። ሽዑ ናብቲ ሬሳ ቀሪቡ “አታ መንእሰይ ተንስእ!” ኢልዎ። ብኡንብኡ ድማ ካብ ሞት ተንሰአ። ኮፍ ኢሉ ክዛረብ ጀመረ። በዚ መንገዲ እዚ እዛ ኣደ እንደገና እንኾ ውላዳ ረኸበት። እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ረኣዩ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
Jesus Raises a Young Man From Death
Luke 7:11-17
Afterwards Jesus went together with his followers to another town. When he arrived at the town gate, he noticed how people carried a dead person to the grave. The dead young man was the only son of a widow. Jesus felt sorry for her and said, “Take heart, don’t cry!” Then he drew close to the dead body and said, “Young man, get up!” Immediately he came back to life, sat up and started to speak. This way the widow received her only son back. When the people saw what had happened, they praised God.

የሱስ ንሓደ መንእሰይ ካብ ሞት ምስ ኣተንሥኦ
እቶም ህዝቢ ንኣምላኽ ዘመስገኑ ስለምንታይ እዮም?
የሱስ ነቲ ዝሞተ መንእሰይ ስለ ዘተንስኦ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
96. የሱስ ነቲ ብርቱዕ ንፋስ ደው ኣበሎ
ሉቃስ 8፡22-25
ሓደ እዋን የሱስን ሰዓብቱን ብጃልባ ባሕሪ ክሳግሩ ከለዉ ብርቱዕ ንፋስ ተላዕለ። ብሰንኪ እቲ ንፋስ ማይ ናብታ ጃልባ ኣትዩ ይመልኣ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰዓብቲ ኣዝዮም ፈሪሖም። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና የሱስ ኣብታ ጃልባ ደቂሱ ነበረ። ስለዚ ንየሱስ ኣበራቢሮም “የሱስ! ተንስእ፡ ሓግዘና!” ኢሎም ጨደሩ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበልን ከሃድኡ ኣዘዞም። ብኡንብኡ እቲ ብርቱዕ ንፋስን እቲ ዝናወጽ ዝነበረ ማይን ጸጥ ኢሉ። ሰዓብቱ ተገሪሞም “ኣብ ልዕሊ ንፋስን ማይን ከምዚ ዝበለ ስልጣን ዘለዎ መን እዩ?” ኢሎም ነንሕድሕዶም ተዘራረቡ።
Jesus Stills the Storm
Luke 8:22-25
One time Jesus and his followers were crossing a lake by boat when a storm arose. The boat started filling with water and the disciples were very scared. But Jesus was still sleeping in the boat. So they woke him up shouting, “Jesus, get up! Help us!” Jesus got up and commanded the storm and the raging water to be quiet. Immediately the storm stopped, and the lake became calm. The disciples were astonished and said to each other, “Who is this man who even has authority over wind and water?”

የሱስ ንንፋስን ማዕበልን ህድእ ክብሉ ምስ ኣዘዘ
ሰዓብቲ የሱስ እተገረሙ ስለምንታይ እዮም?
እቲ ብርቱዕ ንፋስን እቲ ብርቱዕ ማዕበልን ንየሱስ ስለዝተኣዘዞ።
97. ካብ አጋንንቲ ሓራ ዝወጸ ሰብ
ሉቃስ 8፡26-39
የሱስን ሰዓብቱን ኣብቲ ካልእ ሸነኽ እቲ ባሕሪ ምስ በጽሑ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብኣይ መጸ። እቲ ሰብኣይ ብርኩሳት መናፍስቲ እናተሳቐየ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ። ነቲ ዝኣስሮ ሰንሰለት ስለ ዝሰብር፡ ክሕዞ ዝኽእል ሰብ የለን። የሱስ ግና ነቶም መናፍስቲ ካብቲ ሰብኣይ ክወጹ ኣዘዞም። ብኡ ንብኡ ወጺኦም ናብቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ሓሰማታት ኣተዉ። እቶም ሓሰማታት ናብቲ ቀላይ ጎዮም ጸደፉ እሞ ጠሓሉ። እቲ ሰብኣይ ካብ ኣጋንንቲ ሓራ ስለ ዝወጸ ድማ፡ ንየሱስ ኣዝዩ ኣመስገኖ። ኣብታ ኸተማ እናዘወረ ኣምላኽ ዝገበረሉ ኩሉ ነገረ።
Freed from Many Evil Spirits
Luke 8:26-39
When Jesus and his followers arrived on the other side of the lake, a man possessed by many evil spirits came towards him. He was very troubled by these spirits and was living in a graveyard. Nobody was able to keep him tied up, because he would simply break the chains he was tied up with.
But Jesus commanded the spirits to leave the man. So all of them left him immediately and moved into a herd of pigs nearby. As a result, the pigs ran into the lake and drowned. The man was really grateful that Jesus had set him free from the evil spirits. And he told everyone in his town what God had done for him.

የሱስ ነቶም ኣጋንንቲ ካብቲ ሰብኣይ ክወጹ ምስ ኣዘዞም
ነቲ ብኣጋንንቲ ዝሳቐ ዝነበረ ሰብኣይ ሓራ ዘውጽኦ መን እዩ?
የሱስ ኢዩ ሓራ ዘውጽኦ።
ስለምንታይ እቶም ኣጋንንቲ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም?
የሱስ ስለዝኣዘዞም እዮም ዝወጹ።
98. ካብ ሞት ዝተንስአት ጓል
ሉቃስ 8፡40-56
ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ጓሉ ንሓደ መራሒ ሓመመት። ናብ የሱስ መጺኡ ንጓሉ ከሕውየሉ ለመኖ። የሱስ ምስኡ ናብ ቤቱ ኪኸይድ ከሎ፡ ሰባት መጺኦም ጓሉ ከም ዝሞተት ነገርዎ። የሱስ ግና እቶም ህዝቢ ዝዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ መራሒ “ብኣይ ተኣመን እምበር ኣይትፍራሕ! ጓልካ ክትድሕን ኢያ” በሎ። ኣብ ቤት እቲ መራሒ ምስ በጽሑ፡ የሱስ ነቶም ዝበኽዩ ዝነበሩ ሰባት ስቕ ክብሉ ነገሮም። ሽዑ ምስ ወለዳን ሰለስተ ሰዓብቱን ናብቲ ገዛ ኣተወ እሞ “ኣንቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ። ብኡብኡ ድማ ካብ ሞት ተንሰአት። የሱስ ድማ ንወለዳ ዝብላዕ ነገር ኪህብዋ ነገሮም።
A Dead Girl Comes Back to Life
Luke 8:40-56
One day a leader came to Jesus and asked him to heal his sick daughter. She was his only child. While Jesus was going with him to his house some people came and told him that his child had just died. Jesus heard it and said to him, “Don’t be afraid, but trust in me. Your daughter will be fine.” When they arrived at the leader’s house, Jesus told the people who were wailing there to be quiet. Then he went inside with the parents of the girl and three of his followers. There he said to her, “Wake up, girl!” And she immediately came back to life. Then Jesus told her parents to give her something to eat.

የሱስ ነታ ዝሞተት ጓል ምስ ኣተንስኣ
የሱስ ንመን ኢዩ ካብ ሞት ዘተንስኤ?
ንጓል እቲ መራሒ ካብ ሞት ኣተንስኣ።
99. የሱስ ንሃዋርያት ለኣኾም
ሉቃስ 9፡1-6
ሓደ መዓልቲ የሱስ ንሓዋርያቱ ሓይሊ ሂቡ “ኣብዚ ከባቢ ናብ ዘለው ከተማታት ኪዱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንህዝቢ ንገሩ። ንሕሙማት ፈውሱ፡ ነቶም ብኣጋንንትን ሰይጣን ዝተጨነቑ ድማ ሓራ ኣውጽእዎም!” ኢሉ ድማ ለኣኾም። ከምኡውን ኣብዚ ግዜዚ “ንመንገዲ ዝከውን ከም ቦርሳ፡ ባኒ፡ ገንዘብ ዝኣመሰሉ ነገራት ኣይትውሰዱ!” ኢልዎም። እዚ ዝበሎም እግዚኣብሄር ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ዘድልዮም ኩሉ ስለ ዝህቦም እዩ።
Jesus Sends His Apostles
Luke 9:1-6
One day Jesus gave power to his apostles and said, “Go to the towns in this area and tell the people about the Kingdom of God! Heal the sick and set people free from the evil spirits which bother them.”
At the same time he also told them, “Don’t take anything with you on your journey like a travel bag, bread or money.” He said this, because God would provide what they needed in every place they visited.

የሱስ ንሓዋርያት ሓይሊ ሂቡ ናብ ከተማታት ኽልእኮም ከሎ
የሱስ ነቶም ሃዋርያት እንታይ ኪገብሩ ለኣኾም?
ዝለኣኾም መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩን ንሕሙማት ክፍውሱን ኢዩ።
100. የሱስ ብተኣምር ን5000 ሰባት መጊቡ
ሉቃስ 9፡10-17 + ዮሃንስ 6፡1-14
ሃዋርያት የሱስ ናብኡ ተመሊሶም ነቲ ኣብ ከተማታት ዝገበርዎ ዅሉ ተኣምራት ነገርዎ። ድሕሪኡ ንበይኖም ክኾኑ ካብ ሰባት ርሕቅ በሉ። ብዙሕ ህዝቢ ግና ንየሱስ ደለዮም ሰዓብዎም እሞ ናብቲ ንሱ ዘለዎ ቦታ መጹ። የሱስ ንህዝቢ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምሂሩ ንሕሙማት፡ ድማ ኣሕወየ። ምስ መሰየ ነቶም ብዙሓት ሰባት መግቢ ካበይ ከም ከምዝረኽቡ ተዘራረቡ። የሱስ ግና ነቲ ሓደ ወዲ ዘምጽኦ ክልተ ዓሳን ሓሙሽተ እንጌራን ወሲዱ ንኣምላኽ ኣመስገኖ። ድሕሪኡ ነቲ መግቢ ንሰዓብቱ ንህዝቢ ክዕድሉ ሃቦም። እግዚኣብሄር ነቲ ንእሽቶ መግቢ ስለ ዝባረኾ ንልዕሊ፡ 5000 ሰባት ዝኣክል ኰነ። እቶም ህዝቢ በሊዖም ምስ ጸገቡ ድማ፡ 12 መሶብ ሙሉእ እንጌራ ተረፈ።
Jesus Miraculously Feeds 5000
Luke 9:10-17 + John 6:1-14
The apostles returned to Jesus and told him about all the miracles they had done in the towns. Together they went away from the crowds to be by themselves. But many people searched for Jesus, and followed them to the place they had gone. So Jesus taught the people about the Kingdom of God and healed many sick people.
When it got dark, they discussed how they could get food for such a big crowd. But Jesus took the two fish and five small bread loaves that a boy had brought with him and thanked God. Then he gave it to his followers to distribute it to the people. Because God blessed this small amount of food, it was enough for more than 5000 people. When all were satisfied, there were even 12 baskets full of bread left over.

የሱስ ነቲ ሒደት ዓሳን እንጌራን ክበዝሐ ምስ ባረኾ
ከመይ ጌሩ ክልተ ዓሳን ሓሙሽተ እንጌራን ን5000 ሰባት ክኣኽል ኺኢሉ?
ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ነቲ ንእሽቶ መግቢ ስለ ዝባረኾ ኢዩ።
101. የሱስ ኣብ ልዕሊ ማይ ከም ዝኸደ
ማቴዎስ 14፡22-33
ቀጺሉ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ብጃልባ ነቲ ቀላይ ክሰግሩ ነገሮም። ንሱ ግን ንበይኑ ክጽሊ ናብ ሓደ እምባ ደይቡ ኣብኡ ነዊሕ ሰዓታት ጸንሐ። እቶም ሰዓብቱ ብጀልባ እናተጓዕዙ ከለዉ፡ ኣብ ቅድሚኦም ሓያል ንፋስ ተላዒሉ ከሸግሮም ጀመረ። ክወግሕ ምስ ቀረብ፡ የሱስ ኣብ ልዕሊ ማይ እናከደ ናብኦም መጸ። መንፈስ ዝረኣዩ ስለ ዝመሰሎዎም ግን ብፍርሒ ራዕራዕ ኢሎም ኣእወዩ። የሱስ “ኣነ እየ! ኣይትፍርሑ!” ኢሉ ኣተባቢዕዎም። ጴጥሮስ ንየሱስ “ብልዕሊ ማይ ናባኻ ክመጽእ ዶ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ “ንዓ!” ኢልዎ። ካብታ ጃልባ ወሪዱ ድማ ቁሩብ ኣብ ልዕሊ ማይ ከደ፡ ንፋስን ማዕበልን ምስ ረኣየ ግና ፈርሐ።
ክጥሕል ምስ ጀመረ፡ የሱስ ከድሕኖ ኣእወየ። ብኡብኡ የሱስ ብኢዱ ሓዞ እሞ ኣውጸኦ “ስለምንታይ ምእማን ሲኢንኻ? ብኣይ ተኣመን እምበር ኣይትጠራጠር!” ኢልዎ። ምስ ጴጥሮስ ድማ ናብ ጃልባ ኣተወ። ሰዓብቱ ድማ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጦም ሰገዱሉ።
Jesus Walks on Water
Matthew 14:22-33
Straight after, Jesus commanded his disciples to cross the lake by boat. Meanwhile, he went up a hill alone to pray and stayed there for a long time. While Jesus’ followers were in the boat, a strong wind arose and troubled them. Not long before dawn, Jesus came to them walking on the water. When the disciples saw him coming, they trembled and screamed with fear, because they thought they were seeing a ghost. But Jesus reassured them saying, “It’s me! Don’t be afraid.” Peter then asked Jesus, “Shall I come to you on the water?” and Jesus responded, “Come!” So Peter got out of the boat and started walking on the water. But when he looked at the waves and the storm, he became frightened and began to sink. He screamed for Jesus to save him. Immediately Jesus pulled him up and said, “Why do you trust in me so little? Don’t doubt!” Then they both got into the boat. When the disciples saw what happened, they knew that Jesus was the Son of God and worshipped him.

የሱስ ኣብ ልዕሊ ማይ ክከይድ ከሎ
ማዕበልን ንፋስን ኻብ ምርኣይን ንየሱስ ካብ ምርኣይን ኣይናይ ኢዩ ዝሓሸ?
ንየሱስ ምርኣይን ብኡኡ ምውካል ኢዩ ዝሓይሽ።
102. የሱስ ምስ ሙሴን ኤልያስን
ማቴዎስ 17፡1-8 + ሉቃስ 9፡28-36
ሓደ መዓልቲ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ጴጥሮስን፡ ዮሃንስን ያእቆብን ሒዙ ናብ ከረን ደየበ። የሱስ ኣብኡ ኺጽሊ ምስ ጀመረ፡ ገጹን ዝተከድኖ ክዳውንቱን በርሀ። ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ዝነበሩ ሙሴን ኤልያስን ብተኣምር ኣብ ጥቓ የሱስ ተራእዮም። ብዛዕባ መደብ እግዝኣብሄር ብየሱስ ክሰርሖ ዝሓሰቦ ብሓባር ተዘራረቡ። እዚ መደብ እዚ ኢየሱስ ምእንቲ ድሕነት ሰብ ክሳቐን ክመውትን ክትንስእን ከም ዘለዎ እዩ ነይሩ።
ሽዑ ደበና መጺኡ ንኹሎም ሸፈኖም። ካብቲ ውሽጢ ደበና፡ “የሱስ ወደይ እዩ፡ ኣነ ይፈትዎ እየ። ንዑኡ ስምዑዎ!” ዝብል ድምጺ ኣምላኽ መጸ። እቲ ደበና ምስ ጠፍአ ብዘይካ የሱስን ሰዓብቱን ካልእ ኣይነበረን።
Jesus, Moses and Elijah
Matthew 17:1-8 + Luke 9:28-36
One day Jesus went up a mountain. He took Peter, John and James along. As Jesus started to pray there, his face and his clothes became very shiny. Then Moses and Elijah who had lived many generations before, miraculously appeared beside him. They talked with him about God’s plan. This plan was that Jesus had to suffer and die in order to save people. And he would rise from death again.
After this a cloud came and covered them all. They heard God’s voice from inside the cloud, “Jesus is my son, I love him! Listen to him!” When the cloud was gone, there was no one there except Jesus and his three followers.

ሙሴን ኤልያስን ኣብ ከረን ምስ የሱስ ክዘራረቡ ከለዉ
ሙሴን ኤልያስን ምስ የሱስ ብዛዕባ እንታይ እዮም ተዘራሪቦም?
ብዛዕባ የሱስ ንሰባት ንምድሓን ዝሰርሖ ስራሕ ኢዮም ተዘራረቡ።
103. ሕያዋይ ሳምራዊ
ሉቃስ 10፡29-37
ሓደ እዋን የሱስ ብሓቂ ንሰባት ዘፍቅር ሰብ ከመይ ከምዝኮነ ዝገልጽ ዛንታ ምሂሩ ነይሩ፡
ሓደ እስራኤላዊ ካብ የሩሳሌም ናብ ከተማ የሪኮ ተጓዒዙ። ኣብ መንገዲ ሸፋቱ ረከብዎ። ብዓመጽ ቀጥቂጦም ዝነበሮ ድማ ዘሚቶምዎ ደርብዮሞ ከዱ። ብድሕሪ እዚ ሓደ ካህን ይሓልፍ ስለ ዝነበረ ነቲ ዝተሃርመ ሰብኣይ ረኣዮ። ካብ ሞት ንምድሓን ከይፈተነ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ገዲፍዎ ከደ። ሽዑ ካልእ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ረኣዮ። እሱ ውን ከይደንገጸሉ ገዲፍዎ ከደ። እቶም ክልተ ሰባት እስራኤላውያን እኳ እንተነበሩ፡ ፈጺሞም ኣይሓገዙዎን።
ኣብ መወዳእታ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ሰማርያ በታ መገዲ መጸ። (አብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት ሳምራውያን ኢዮም ዝበሃሉ።) ሳምራውያን ብእስራኤላውያን ዝተነአቁ ኢዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ እዚ ሳምራዊ እዚ፡ ነቲ ሰብኣይ በቶም ሸፋቱ ዝተቀጥቀተ ምስ ረኣየ፡ ኣዝዩ ደንገጸሉ። ብኡ ንብኡ ድማ ሕክምናዊ ረድኤት ገበረሉ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣድጊ ኣንቢሩ ድማ፡ ናብ ሓደ ሰብ ክሕግዞን ክከናኸኖን ዝኽእል ቦታ ወሰዶ። ተወሳኪ ነቲ ዘድልዮ መግብን መድሃኒትን እውን ከፊሉሉ ከደ።
The Good Samaritan
Luke 10:29-37
One time Jesus taught the people what it means to really love other people by telling this story:
An Israelite travelled from Jerusalem to the city of Jericho. Robbers attacked and robbed him on the way. After beating him up, they left him severely injured. A short while later, a priest saw him as he passed by. But he didn’t do anything to save his life. Next, another servant of God came by. He didn’t have pity on the injured man either. Both men belonged to the injured man’s own people. But they didn’t stop to help him.
In the end, a man from another area – from Samaria – arrived. Israelites despised Samaritans. Even so, this Samaritan felt sorry for the injured man from Israel. He gave him first aid, put him on his donkey and took him to a safe place where he was able to receive further care. In addition the Samaritan paid for food and medication for the injured man before he continued his journey.

እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ነቲ ዝተሃርመ ሰብኣይ ብምህዛን ካብ ሞት ንኸምልጥ ምስ ሓገዞ
ከምቲ የሱስ ከም ሳምራዊ ብዙሕ ሕያውነት ዝገበረልና፡ ንሕና ከ ንሰባት እንታይ ክንገብረሎም ኣሎና?
ንሕና ውን ንኹሉ ሰብ ሕያዎት ክንከውን ይግባእ።


ኣብ ታሪኽ 49-77 ድለዩ፤