ትግርኛ 128-150
ሞትን ትንሳኤ የሱስን ብዛዕባ ሃዋርያትን
Jesus’ Death, Resurrection and the Apostles

ኣብ ታሪኽ 128-150 ድለዩ፡
128. ድራር ፋሲካ
ሉቃስ 22፡7-30
የሱስ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ናይ እስራኤላውያን በዓል ፋሲካ ዘብዕልሉ ቦታ ንኸዳልዉ ለኣኾም። ኣበይ ቦታ ክዳሎ ከም ዝደሊ ምስ ሓተትዎ፡ ንሱ ድማ “ኣብ የሩሳሌም ምስ ኣቶኹም ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብ ክትረኽቡ ኢኹም። ናብቲ ዝኣትወሉ ቤት ስዓብዎ ድራር ፋሲካ ዝበልዓላ ምቹእ ክፍሊ ሕተትዎ!” በሎም። ከይዶም ድማ ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ኩሉ ረኸብዎ። እቲ ዋና ገዛ ድማ ውሑስ ክፍሊ ኣርኣዮም። ኣብኡ ድማ ንበዓል ምድላዋት ገበሩ።
ጸኒሑ፡ የሱስን እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያትን ኣብቲ ክፍሊ ብሓባር ድራር ፋሲካ በልዑ። ኣብኡ ድማ አብ ቀረባ እዋን ከም ዝመውት ነገሮም። ንሱ ድማ ከም በዓል ፋሲካ እንጌራ ከም ዝቁረስን ደሙ ውን ከም ወይኒ ከምዝፈሥ ብምስላ ነገሮም። ደም ገንሸል ኣብ ፋሲካ ንእስራኤላውያን ካብ ሞት ኣብ ግብጺ ከም ዘድሕኖም፡ ሞቱ ድማ ንሰባት ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ከም ድሕኖ የሱስ ይፈልጥ ነበረ።
The Last Supper 
Luke 22:7-30
Jesus told Peter and John to prepare for the celebration of the Israelite Passover feast. After they asked where he wanted to celebrate, he explained, “When you enter Jerusalem, you will meet a man who is carrying water. Follow him and ask him about a room we can use to celebrate the Passover meal.” They went and found everything just like Jesus had said. The owner of the house showed them a suitable room. And they prepared for the feast there.
Later Jesus and his 12 disciples together ate the Passover meal in that room. He told them again that he would die soon. He explained that he would be broken like the bread, and his blood would be poured out like the wine of the Passover supper. In Egypt the blood of the Passover lamb had saved the Israelites from death. Jesus was aware that he was the Lamb of God in a similar way. By his death he saves people from eternal punishment.

የሱስ ቅድሚ ምሟቱ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ሃዋርያቱ ክበልዕ ከሎ
እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ዘዳልዎ ድግስ ዓዲሙና ድዩ? 
እወ፡ ዓዲሙና ኣሎ።
129. የሱስ እግሪ ሓዋርያት ሓጸበ 
ዮሃንስ 13፡1-17
የሱስ ኣብ እዋን ድራር ፋሲካ እግሪ ሃዋርያቱ ክሓጽብ ተንሲኡ። ጴጥሮስ ግና ስለምንታይ ጎይታ የሱስ ከምዚ ክገብር ከም ዝደለየ ኣይተረድኦን። ስለዚ ንየሱስ “ንስኻ እግረይ ኣይትሓጽብን ኢኻ” በሎ። የሱስ ከኣ “ኣእጋርኻ ብኣይ ምሕጻብ ኣገዳሲ ኢዩ” ኢሉ ገለጸሉ። ጴጥሮስ በዚ ምስ ተሰማምዐ፡ የሱስ ኣእጋሩ ሓጸቦ። ጎይታና የሱስ ዓቢ መምህርን ኣምላኽን እኳ እንተነበረ፡ ንሰዓብቱ ብትሕትናን ሰናይ ብምስራሕን የገልግሎም ነበረ። ንሱ መራአዩ ኾይኑ ንኦኦም ከም ዝገበሮ ንሶም ውን ኣብ ነንሕድሕዶም ኽገብርዎ ከም ዘለዎም ነገሮም።
Jesus Washes the Apostles’ Feet 
John 13:1-17
At the time of the Passover celebration, Jesus got up to wash his apostles’ feet. But Peter didn’t understand why Jesus wanted to do this. Therefore he said to him, “You will certainly not wash my feet!” So Jesus helped him to understand that this was very important. Then Peter agreed and Jesus washed his feet.
Jesus, the LORD Almighty, was a great teacher and yet he served his followers humbly like a servant by doing them good. As followers of Jesus, we should serve each other humbly just like he did. Let us follow his example.

ጎይታ የሱስ እግሪ ሓዋርያት ምስ ሓጸበ
የሱስ ንሓድሕድና ብኽመይ ኸነገልግል ኢዩ ዝደልየና? 
የሱስ ብንጹሕ ልብን ብትሕትና ከነገልግልን እዩ ዝደልየና።
130. ጽቡቕ ፍረ ምፍራይ
ዮሃንስ 15፡1-12
የሱስ ንሰዓብቱ “ኣነ ከም ጉንዲ ወይኒ እየ ንስኻትኩም ድማ ከም ጨናፍረይ ኢኹም። ካባይ እንተ ተፈሊኹም ዋላ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን” በሎም። ስለዚ ምስኡ እንተ ዄንና፡ ከም ሰላም፡ ሓጐስ፡ ፍቕሪ፡ ተኣማንነትን ትዕግስትን ዝኣመሰሉ ሰናይ ፍረታት ከነፍሪ ኢና። እግዚኣብሄር ድማ ንሕና ብዙሕ ሰናይ ፍረ ንኽንፈሪ ከም ወይኒ ጨናፍር ይከናኸነና እዩ።
የሱስ እውን “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ!” ኢሉ ንሰዓብቱ ኣዘዞም።
ንየሱስ ምፍቃር ማለት ንሱ ዝበሎ ምግባር እዩ።
Bearing Good Fruit
John 15:1-12
Jesus said to his followers: “I am like a grape vine and you are like my branches. If you depart from me, you can’t do anything.” When we are connected to Jesus, we will bear good fruit like peace, joy, love, faithfulness and patience. God cares for us like someone cares for a branch of a plant called grape vine. He does that so that we will bear a lot of good fruit.
Jesus also commanded his followers: “You must love each other as I have loved you!”
To love Jesus means to obey his words.

ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ዘይፈሪ ጨንፈር ክቖርጾ ከሎ
ከመይ ጌርና ኢና ጽቡቕ ፍረ ክንፈሪ እንኽእል?
የሱስ ዝበሎ ብምፍጻምን ምስኡ ብምንባርን ኢዩ።
131. የሱስ ቅድሚ ምትሓዙ ጸለየ
ሉቃስ 22፡39-53
ድሕሪ ድራር ፋሲካ፡ የሱስ ናብቲ ኣብ ጥቓ ከተማ የሩሳሌም ዝርከብ ደብረ ዘይቲ ዝበሃል ከረን ደየበ። ኣብኡ ድማ ንሃዋርያቱ ናብ ፈተና ከይኣትዉ ክጽልዩ ነገሮም። ነቲ ክገጥሞ ዝቐረበ መከራ ስለ ዝፈለጠ ድማ ኣዝዩ ፈሪሑ። ተንበርኪኹ ድማ ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ “ኣቦይ፡ ናብቲ ክመጸኒ ዝቐረበ መከራ ከይኣቱ በጃኻ ሓልወኒ። ነገር ግን ኣነ ዝደልዮ ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ምፍጻም እዩ” በለ። ሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር መጺኡ ኣተባብዖ። የሱስ ምስ ጸለየ ናብ ሃዋርያቱ መጸ። ክጽልዩ እኳ እንተደለዩ ግና፡ ደኺሞም ስለ ዝነበሩ ደቂሶም ረኸቦም። ስለዚ የሱስ ኣብዛ ናይ መከራ ሰዓት እዚኣ በይኑ ነበረ።
ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ኻብቶም ሃዋርያት ዝዀነ ይሁዳ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ነቶም ንየሱስ ኪኣስርዎ ዝደልዩ ሰባት መገዲ ሪሒዎም መጸ። ብኡንብኡ ሒዞሞ ድማ ናብ ቤት ሊቀ ካህናት ወሰድዎ።
Jesus Prays Before His Arrest
Luke 22:39-53
After the Passover meal, Jesus went to the Mount of Olives just outside the city of Jerusalem. There he told his disciples to pray so that they would not sin when tempted. Jesus became very afraid because he was aware of the suffering that was just ahead of him. He knelt down and prayed, “Father, please protect me from the suffering that is about to come upon me. Yet, not what I want, but what you want should happen!” Then an angel came and made him strong. After this prayer he returned to his disciples. Even though they wanted to pray, they had fallen asleep. They were really tired. So Jesus was alone at this difficult time.
Soon afterwards, Judas – one of Jesus’ apostles – arrived. He was showing the people who wanted to seize Jesus where he was. They arrested him at once and took him to the house of Israel’s leading priest.

የሱስ ቅድሚ ምሟቱ ኣዝዩ ፈሪሑ ክጽልይ ከሎ ሃዋርያት ድማ ደቂሶም ከለዉ
የሱስ ኣብ እዋን መከራኡ እንታይ ኢሉ ጸለዩ?
ፍቓድ ኣምላኽ ክኸውን ጸለየ።
132. ጴጥሮስ ፈሪሑ ንየሱስ ክሒድዎ
ሉቃስ 22፡54-62
ጴጥሮስ ንየሱስ ናብቲ ፍርዲ ክወስድዎ ከለዉ ርሕቕ ኢሉ ሰዓቦ። ናብቲ የሱስ ዝኣተወሉ ቅጽሪ ኣትዩ ድማ ምስቶም ሓዊ ዝስሕኑ ዝነበሩ ሰባት ኮፍ በለ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ሓንቲ ሰራሕተኛ ምስ ረዓየቶ “እዚ ሰብኣይ እዚ ሰዓቢ የሱስ ኢዩ” በለት። ጴጥሮስ ፈሪሑ “ሓቂ ኣይኮነን፡ ኣነ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ መለሰ። ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ በብተራ “ንስኻ እውን ምስኡ ኔርካ” በልዎ። ጴጥሮስ ግን ንኽልቲኦም “ነዚ እትብልዎ ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንሳልሳይ ግዜ ምስ ከሓዶ እቲ ደርሆ ነቀወ። ብኡብኡ የሱስ ናብ ጴጥሮስ ጠመተ። ጴጥሮስ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ “ደርሆ ከይነቀወ ሰለስተ ግዜ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቃል ዘከረ። ንየሱስ ስለ ዝኸሓዶ ድማ ካብቲ ቅጽሪ ወጺኡ ኣምሪሩ በኸየ።
Peter Denies Knowing Jesus
Luke 22:54-62
Peter followed the men who arrested Jesus from a distance. He entered the compound where they took Jesus, and he joined the people who were sitting around a fire to warm themselves. After a while, one of the workers looked at him and said, “This man was following Jesus.” And because Peter was afraid, he replied, “That’s not right. I don’t know him!” Later two others each commented, “You were also with him!” But Peter denied it both times with words like, “I don’t know who you are talking about!” After that a cockerel crowed and Jesus looked at Peter at once.
At this Peter remembered the words Jesus had said earlier, “Before the rooster crows, you will deny three times that you know me.” Then Peter left the compound and cried intensely, because he had denied Jesus.

ጴጥሮስ ስለ ዝፈርሐ “ንየሱስ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ክክሕድ ከሎ
ጴጥሮስ ንየሱስ ንምንታይ ኢዩ ኺሒድዎ?
ጴጥሮስ ስለ ዝፈርሐ ኢዩ ኪሒዱ።
133. የሱስ ንሞት ተፈሪዱ
ሉቃስ 22፡66 – 23፡25
ንግሆ መራሕቲ እስራኤል ንየሱስ ኣብ ፍርዲ ኣቕረብዎ። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ሕቶታት እናሓተቱ መርመርዎ። ዋላ ሓንቲ በደል እኳ እንተዘይነበሮ፡ ብሓሶት ገበነኛ ገይሮምዎ። የሱስ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ጎኒ እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋን ከም ዝቕመጥ ነገሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “ንእግዚኣብሄር ጸሪፉ” ብምባል ናብ ወከልቲ መንግስቲ ሮማ ወሰድዎ። ንየሱስ ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚኦም ከሰስዎ። ንሳቶም ግና ዝኾነ በደል ኣይረኸቡሉን። የሱስ ግና ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ከም ገንሸል ስቕ በለ። ምኽንያቱ ንሱ ንኹሉ ሓጢኣት ደቂ ሰባት ንከንጽሕ ዝተዳለወ ገንሸል ኣምላኽ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ መብዛሕትኦም መራሕቲ፡ የሱስ ኪመውት ከም ዘለዎ ብሓደ ድምጺ ተሰማምዑ።
Jesus Sentenced to Death
Luke 22:66 – 23:25
Early in the morning, the leaders of Israel put Jesus on trial. They asked him many questions to find a reason on which to condemn him. And even though he had not done anything evil, they treated him like a criminal. Regardless, Jesus told them that he would soon sit on the throne next to God. Because he had said this, they declared, “He has insulted God!” and took him to the rulers of the Roman government to accuse him there also. But these rulers didn’t find any guilt in him. He was quiet like a lamb in front of them all. He really is the Lamb of God, who was prepared to die for the sin of all people. In the end, most of the leaders agreed that Jesus had to die.

መራሕቲ እስራኤል ንየሱስ ክመውት ኣለዎ ኢሎም ኣብ ቅድሚ ወኪል መንግስቲ ሮማ ኽከስዎ ከለዉ
የሱስ ነቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ፈጺምዎ ድዩ?
ኣይፋልን ወልሓደ በደል ኣይገበረን።
134. የሱስ ኣብ መስቀል ሞተ
ሉቃስ 23፡33-49 + ማቴዎስ 27፡33-56
ብድሕሪ እዚ እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ካብታ ከተማ ኣውጽእዎ። ኣብ መንጎ ክልተ ገበነኛታት ኣብ ዝነበረ መስቀል ኢዱን እግሩን ብመስማር ሸንኪሮም ሰቀልዎ። ሓደ ኻብቶም ገበነኛታት ብዛዕባ የሱስ ሕማቕ ተዛረበ። እቲ ካልእ ግና ሓጥእ ምዃኑ ፈሊጡ ኣብታ እትመጽእ መንግስቱ ምሕረት ክገብረሉ ሓተቶ። የሱስ ነቲ ገበነኛ ይቕረ ኢሉ “ሎሚ ኣብ ሰማያዊ ስፍራ ምሳይ ክትህሉ ኢኻ” በሎ።
የሱስ ኣብ ዝተሰቕለሉ እዋን ካብ ፋዱስ ጀሚሩ ን 3 ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጸልማት ነበረ። ኣብ መስቀል ከሎ ድማ ሞተ። ኣብዚ ግዜ እዚ መሬት ተንቀጥቀጠ፡ እቲ መእተዊ ውሽጣዊ ክፍሊ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መጋረጃ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተቐደደ። እዚ ድማ እቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝተዓጽወ ናብ እግዚኣብሄር ዝወስድ መንገዲ ንኹሉ ክፉት ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
Jesus’ Death on the Cross
Luke 23:33-49 + Matthew 27:33-56
After that, some soldiers took Jesus out of the city. There they nailed him to a wooden cross between two criminals. One of the two mocked Jesus. But the other one was aware of his sin and asked Jesus to have mercy on him in his coming kingdom. Jesus forgave him and answered, “Today you will be with me in the heavenly place, in paradise!”
On that day, at lunch time at 12 o’clock, the sky became dark for 3 hours. Then Jesus died on the cross. There was an earthquake at the time of his death. And also the curtain to the most holy place in the Temple tore apart from top to bottom. This shows that the way to God opened up for everyone. It had been closed because of sin.

የሱስ ብዘይ በደል ምእንቲ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ምስ ሞተ
የሱስ ኣብ መስቀል ምስ ሞተ ኣየናይ መንገዲ እዩ ተኸፊቱ?
ናብ እግዚኣብሄር ዝወስድ መንገዲ ተኸፊቱ።
135. የሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ
ማቴዎስ 27፡57 – 28፡10
የሱስ ምስ ሞተ፡ ሓደ ብሕቡእ ክስዕቦ ዝጸንሐ ሕያዋይ ሰብ፡ ሬስኡ ወሲዱ ኣብ ሓድሽ መቓብር ኣቐመጦ። እዚ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ኣጋጢሙ። ቀዳም ናይ እስራኤል መዓልቲ ዕረፍቲ ስለዝኮነ፡ ናብቲ የሱስ ዝተቀብረሉ መቓብር ዝኸደ ሰብ ኣይነበረን። ሰንበት ንግሆ፡ ገሊአን ኣንስቲ ንሬሳ የሱስ ቅዱይ ቅብኢ ንምቕባእ ናብ መቓብር ከዳ። ሓደ መልኣኽ ኣብ መቓብሩ ተራእየ። በዚ ምኽንያት እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፡ እቲ መቓብር የሱስ እተዓጽወሉ ዓብዪ እምኒ ድማ ተገልባጠ። እቶም ነቲ መቓብር ዝሕልዉ ዝነበሩ ሓለውቲ ድማ ብፍርሒ ከም ዝሞተ ሰብ ወደቑ።
ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ “ኣይትፍርሓ! የሱስ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ ካብ ሞት ተንሲኡ ኣሎ። ቀልጢፍክን ኪዳ ነዚ ብስራት እዚ ንሰዓብቱ ንገሩዎም!” በለን። እተን ኣንስቲ ድማ የሱስ ኣብ መቓብር ከም ዘይነበረ ረኣያ። ቀልጢፈን ናብ ሰዓብቲ የሱስ ከዳ። ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ የሱስ ብሃንደበት ተረኣዮም። ስለዚ ብሓጐስ መሊኦም ነቶም ሰዓብቲ ብስራት ነገሩዎም። ንሳቶም ድማ ኣዝዮም ተገረሙ። ብኡንብኡ ግን ኣይኣመኑን።
Jesus Rises From Death
Matthew 27:57 – 28:10
After Jesus died, a good man who was a secret follower of Jesus, took his dead body and put it in a new grave. This happened on Friday afternoon. Nobody went to the grave on Saturday, because it was the day of rest. But early on Sunday morning a few women went there in order to put oil on the corpse. Then there was an earthquake, for an angel appeared at the grave. He rolled aside the big stone that had closed it off. And the guards who had been guarding the grave fainted with fear.
The angel said to the women, “Don’t be afraid! Jesus has risen from the dead just as he told you before. Quickly go and tell his disciples about this!” And the women saw that the grave was empty. On their way back, Jesus suddenly met them. They were so happy because of this. Full of joy they told the disciples the good news. The disciples were really amazed, but did not believe them immediately.

ኣብቲ መቓብር፡ እቶም ሓለውቲ ብፍርሒ ወዲቖም፡ እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ “የሱስ ተንሲኡ ኣሎ” ምስ በለን
ስለምንታይ እተን ኣንስቲ ንየሱስ ኣብ መቓብር ዘይረኸብኦ?
ኣብ መቓብር ዘይረኸብዎ፡ ምኽንያቱ የሱስ ካብ ሞት ስለ ዝተንሰአ ኢዩ።
136.የሱስ ንሰዓብቱ ተራእዮም
ሉቃስ 24፡36-43
ብድሕሪ እዚ የሱስ ንሃዋርያት ተራእዮም። ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ናይ ዝሞተ ሰብ መንፈስ መሲልዎም ነበረ። የሱስ ግን መንፈስ ዘይኮነስ ብሓቂ ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ። ስለዚ ኣብ እግሩን ኣእዳዉን ጎድኑን ዝነበረ ቁስሊ ኣርኣዮም። ምእንቲ ክኣምኑ ድማ ብኢዶም ክትንክፍዎ ፈቀደሎም። ብተወሳኪ ኣብ ቅድሚኦም ዝተጠብሰ ዓሳ እውን በልዐ። እዚ ዅሉ ምስ ረኣዩ፡ ብሓቂ የሱስ ካብ ሞት ከምዝተንሰአ ፈለጡ። ብዚ ምክንያት ድማ ብሓጐስ ተመልኡ።
Jesus Appears to His Disciples
Luke 24:36-43
Afterwards Jesus appeared to his followers. When they first saw him, they thought they were seeing the spirit of a dead person. However, Jesus was not a ghost. He really had risen from death. He showed them the wounds on his feet, his hands and his side. And he asked them to even touch him so that they would believe it. In addition he ate some fish in front of their eyes. When the disciples saw all this, they knew for sure that Jesus had risen from death. And they rejoiced greatly!

እቶም ሰዓብቲ የሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ ምስ ተራኸቡ
ስለምንታይ እዮም እቶም ሰዓብቲ ብሓጐስ ዝመልኡ?
የሱስ ካብ ሞት ስለ ዝተንሰአ ብሓጐስ ተመልኡ።
137. የሱስ ንጴጥሮስ ሸሞ
ዮሃንስ 21፡1-17
ሓደ ለይቲ ጴጥሮስ ምስ ገለ ሃዋርያት ዓሳ ክገፍፍ ከደ። ምሉእ ለይቲ ግን ዓሳ ኣይሓዙን። ንግሆ ንየሱስ ኣብ ጥቓ እቲ ቀላይ ደው ኢሉ ረኣይዎ። መን ምዃኑ ግን ገና ኣይፈለጡን። የሱስ ድማ “መርበብኩም ኣብ የማናይ ሸነኽ ጃልባ ደርብዩ። ዓሳ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ከምቲ ዝበሎም ምስ ገበሩ ድማ፡ እታ ጃልባ ክትሕዞም ዘይከኣለት ብዙሕ ዓሳታት ሓዙ። ብድሕሪ እዚ እቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ የሱስ ምዃኑ ፈለጡ።
የሱስ ኣብ ሓዊ ዝተጠብሰ ዓሳታትን እንጌራ መገቦም። ምስ በልዑ ድማ፡ ንጴጥሮስ ኣዘራረቦ። ጴጥሮስ ጕድለት ዘለዎ ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሱስ ግን የፍቅሮ ነበረ። ስለዚ ንሰዓብቱ ንፉዕ ጓሳ ኪኸውን ሸሞ።
Jesus Assigns Peter
John 21:1-17
One night Peter and some other disciples went out to catch fish. But they didn’t catch any fish all night long. In the morning they saw Jesus standing at the shore of the lake. But they didn’t know who he was. He told them, “Throw out the net on the right side of the boat, and you will catch fish.” When they did what he said, they caught more fish than they were able to put into the boat. Then they realised that the person on the shore was Jesus.
He had already prepared some fish and bread on a fire for them to eat. After they had eaten breakfast, Jesus talked with Peter. Peter was a person who made mistakes, but he loved Jesus. For this reason Jesus assigned him the task to be a good shepherd for his followers.

የሱስ ኣብ ጥቓ ቀላይ ንሃዋርያት ቁርሲ ኣዳልዩ እንደገና ክርአዮም ከሎ
የሱስ ቅድሚ ናብ ሰማይ ምኻዱ፡ መራሒ ሰዓብቱ ኪኸውን ንመን እዩ ሸይሙ?
ንጴጥሮስ መራሒ ክኸውን ሸሞ።
138. ኬድኩም ነቲ ብስራት ንገሩ!
ሉቃስ 24፡44-49
የሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምኻዱ፡ ንመወዳእታ ግዜ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ምሂርዎም እዩ። ኣብ ትምህርቱ ክመጽእ ዝጽበይዎ ዝነበሩ መድሓኒ ንሱ ምዃኑ ኣረድኦም። ብተወሳኪ ውን ክመውትን ካብ ሞት ክትንስእን ከም ዝነበሮ እውን ገለጸሎም። በዚ መንገዲ እምበር፡ ንሰባት ንምድሓን ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረን። ነብያት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ጽሒፎም እዮም።
ስለዚ ሕጂ ኩሎም ብየሱስ ዝኣምኑ ካብ ጥፍኣት ክድሕኑ ይኽእሉ እዮም። እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ክብሎም ይደሊ። የሱስ ንሰዓብቱ ናብ መላእ ዓለም ከይዶም፡ ነዚ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ዝሓዘ መልእኽቲ ንኹሉ ሰብ ክነግሩ ኣዘዞም።
Go and Share the Good News!
Luke 24:44-49
After his resurrection Jesus taught the disciples for a last time about the word of God before he went to heaven. In his teaching, he explained to them that he was the awaited Saviour and that he had to die and rise from the dead. There was no other way for him to save people. The prophets had already written about it hundreds of years before.
So now all people who trust Jesus can be saved. God wants to forgive them. Therefore, Jesus told his followers to go into the world and share this good news about God’s mercy with everyone.

የሱስ ንሰዓብቱ ነቲ ብስራት ንዅሎም ሰባት ኪነግሩ ምስ ኣዘዞም
ምሕረት ኣምላኽ ዝሓዘ ብስራት እንታይ እዩ?
ኩሎም ብየሱስ ዝኣምኑ ካብ ጥፍኣት ምድሓን ምክዓሎም ኢዩ።
139. የሱስ ናብ ኣቡኡ ተመሊሱ
ግብሪ ሃዋርያት 1፡1-14 + ማቴዎስ 28፡16-20 + ዮሃንስ 14
የሱስ “መንፈስ ቅዱስ ምስ መጸ ክሕግዘኩምን ከጸናንዓኩምን ክምህረኩምን እዩ” ኢሉ ኣቀዲሙ ምሂሩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ንሰዓብቱ “ኣብ ቀረባ እዋን መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እየ። ንሱ ውን ብዛዕባ ምድሓነይን ምሕረተይን ክትዛረቡ ክሕግዘኩም እዩ። ስለዚ ንሱ ክሳብ ዝመጽእ ኣብ የሩሳሌም ጽንሑ!” ኢልዎም።
ቅድሚ ናብ ሰማይ ምኻዱ ድማ “ኩሉ ግዜ ምሳኻትኩም ክኸውን እየ” በሎም። ሽዑ የሱስ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ባረኾም። እናረኣይዎ ድማ ናብ ሰማይ ደየበ። ናብ ኣቦኡ እግዚኣብሄር ተመሊሱ ድማ ኣብ ጎድኑ ኣብ ዝፋን ተቐመጠ። ንሱ ንዘለኣለም ጎይታ እዩ። ከምቲ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ድማ ሓደ መዓልቲ ናብዛ ዓለም ክምለስ እዩ።
የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ ሰዓብቱ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ንኣምላኽ እናኣመስገኑን እናጸለዩን ንምምጻእ መንፈስ ቅዱስ ይጽበዩን ነበሩ።
Jesus Returns to His Father
Acts 1:1-14 + Matthew 28:16-20 + John 14
Jesus had been teaching earlier, “When the Holy Spirit comes, he will help, comfort and teach you.” Finally he also said to his followers, “I will soon send you the Holy Spirit. He will help you to speak about my salvation and mercy. Wait in Jerusalem until he comes!”
Before Jesus went to heaven, he said to his disciples, “I will always be with you!” Then he lifted up his arms and blessed them. He was taken up to heaven while they were watching. He returned to God – his Father. There he sat down beside him on the throne. He is LORD for all eternity. And one day he will come back to this world in the same way he left.
After Jesus went to heaven, his followers went back to Jerusalem. There they waited for the coming of the Holy Spirit while praising God and praying together.

የሱስ ነዛ ዓለም እዚኣ ሓዲጉ ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ክምለስ ከሎ
የሱስ ናበይ እዩ ደይቡ?
የሱስ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ኣቦኡ ኢዩ ደይቡ።
140. መንፈስ ቅዱስ
ግብሪ ሃዋርያት 2፡1-12 + 1ይ ቆረንቶስ 12፡7
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ሓደ ቦታ ብሓባር ከለዉ፡ መንፈስ ቅዱስ መጸ። ኣብዛ ህሞት እዚኣ ሃንደበት ካብ ሰማይ ብርቱዕ ናይ ንፋስ ድምጺ ክመጽእ ሰምዑ። ኣብ ነፍሲ ወከፎም ድማ ከም ንእሽቶ ሓዊ ዝኣመሰለ ሃልሃልታ ተቐመጠ። ንሱ ግና ኣየቃጸሎምን። ምክንያቱ መንፈስ ኣምላኽ ንሰባት ንምሕጋዝ እምበር፡ ንኺጐድኦም ኣይኰነን ዝተወሓበ። ብኡ ንብኡ ድማ ብዘይፈልጥዎ ቋንቋ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰባት ክዛረቡ ጀመሩ። ነዞም ቋንቋታት እዚኣቶም ክዛረቡ መንፈስ እግዚኣብሄር ሂብዎም ነይሩ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ሰባት በቲ ዝፈልጥዎ ቋንቋ ብዛዕባ ዕዮ ኣምላኽ ክዛረቡ ምስ ሰምዑ ተገረሙ።
ብድሕሪ እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ሓይልን ውህበትን ብዝበለጸ ንሕድሕዶም ክተሃናነጹን ክደጋገፉን ክኢሎም። ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኽብሪ ገዛእ ርእሶም ዘይኮነስ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝተወሃበ እዩ።
The Holy Spirit
Acts 2:1-12 + 1 Corinthians 12:7
A few days later while Jesus’ followers were all together in one place the Holy Spirit came. Suddenly they heard the noise of a strong wind. And something that looked like little flames of fire came to rest on each of them. But it didn’t burn them, for God’s Spirit was given to help people, not to hurt them. When the Spirit came, Jesus’ followers suddenly started to talk in various languages of other nations. They had never learned these languages, but God’s Spirit had given them the ability to speak them. People who had come from other countries were surprised to hear them speak about the great things God had done, each one in their own language.
After this Jesus’ followers were able to build each other up and help each other better. The power and the gift of the Holy Spirit enabled them to do so. His power is not given to bring honour to people, but to bring glory to God.

መንፈስ ኣምላኽ አብ ለዕሊ ሰዓብቲ የሱስ ክወርድ ከሎ
መንፈስ ኣምላኽ ንሰባት ይጐድኦም ድዩ?
መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ኣይጎድእን እዩ።
ስለምንታይ መንፈስ ኣምላኽ ሓይልን ውህበትን ይህብ?
ንሕድሕድና ንክንደጋገፍን ንክንተሃናነጽን ይወሃበና።
141. ስብከት ጴጥሮስ
ግብሪ ሃዋርያት 2፡14-47
መንፈስ ቅዱስ ምስ መጸ፡ ጴጥሮስ ብዘይ ፍርሒ ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ክዛረብ ተንሲኡ። እዚ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን መስተንክር ነገር ምጽኣት መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣረድኦም። የሱስ ንሞት ከም ዝሰዓረን ከም ዝተንሥኤን ኩሉ ሰብ ብእኡ ብምእማን ከም ዝድሕን ምሂሩ። ነዚ ስብከት ጴጥሮስ ዝሰምዑ ብዙሓት ሰባት ብየሱስ ኣሚኖም ተጠመቑ።
ብየሱስ ዝኣመኑ ሰባት ብሓባር ብምጽላይን ብሓባር ብምብላዕን ብሰላም ይነብሩ ነበሩ። ገንዘቦም ብሓደ ስለዝገበሩ፡ ኣብ መንጎኦም ዝተጸገመ ሰብ ኣይነበረን። ንሕድሕዶም ብጣዕሚ ብሓጎስ ይተሓጋገዙ ነበሩ። እቲ ሰናይ ግብሮም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ሞገስ ኣውሃቦም።
Peter’s Sermon
Acts 2:14-47
After the Holy Spirit had come, Peter boldly got up to talk to the people who had gathered there. He explained to them that the amazing things which they had just seen and heard was the coming of the Holy Spirit. He also taught that Jesus rose, conquered death and saves everyone who believes in him. Many of the people who heard Peter’s sermon believed in Jesus and were baptised.
The Christians lived in peace with each other, praying and eating together. Because they shared the money they had, there was no needy person among them. Joyfully they helped each other. And so they gained the people’s goodwill due to their kind and generous actions.

ጴጥሮስ ንህዝቢ ቃል እግዚኣብሄር ክምህሮም ከሎ
የሱስ ንመን እዩ ዘድሕን?
ብእኡ ንዝኣምን ኩሉ ሰብ እዩ ዘድሕን።
142. ጴጥሮስን እቲ ልሙስ ሰብኣይን
ግብሪ ሃዋርያት 3
ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ዝፈልጥዎ ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ ልሙስ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ ነበረ። መዓልታዊ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መቕደስ ኮፍ ኢሉ ገንዘብ ይልምን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ጴጥሮስ ምስ ረኣዮ፡ “ዝህበካ ገንዘብ የብለይን። ብስም ጎይታ የሱስ ተንስእ እሞ ኺድ!” በሎ። ብኡ ንብኡ እቲ ልሙስ ሰብ ሓውዩ ክኸይድ ጀመረ። እንዳዘለለ ብሓጎስ ንኣምላኽ ኣመስገነ። በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዙርያ ጴጥሮስን እቲ ዝሓወየ ሰብን ተኣከቡ። ኣብዚ ግዜ እዚ ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ዘሕወየ የሱስ ከም ዝኾነ ገሊጹ ኩሉ ክብሪ ድማ ንዑኡ ሂቡ። የሱስ መድሓኒ ምዃኑ እውን ነገሮም።
Peter and the Paralyzed Man
Acts 3
There was a man in Jerusalem who was paralyzed from birth. Everyone knew him. He was begging for money at the entrance of the temple every day. One day when Peter saw him, he said to him, “I cannot give you money. Instead, in the name of the Lord Jesus, get up and walk!” And the paralysed man was healed immediately and started to walk. He praised God, jumping around full of joy. As a result many people gathered around Peter and the man who had been healed. Then Peter explained to them that it was Jesus who had healed the man and so gave him all the glory. He also told them that Jesus is the Saviour.

ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ብስም የሱስ ክትንስእ ምስ ነገሮን የሱስ ድማ ክፍውሶ ከሎ
መን እዩ ነቲ ልሙስ ዝፈወሶ?
ዝፈወሶ የሱስ ኢዩ።
143. ፊልጶስን እቲ ኢትዮጵያዊን
ግብሪ ሃዋርያት 8፡26-40
ፊልጶስ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ኣምላኽ ናብ ደቡብ እስራኤል ክከይድ ነገሮ። ስለዚ ፊልጶስ ናብኡ ከደ። እናተጓዕዘ ከሎ፡ ኣብ ሰረገላ ተቀሚጡ ዝከይድ ሰብኣይ ረኣየ። ካብ ኢትዮጵያ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ዝመጸ ናይ መንግስቲ በዓል ስልጣን እዩ ነይሩ። ኣብ መንገዲ ኮሎ ድማ ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባ ገንሸል ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ክፍሊ የንብብ ነበረ። እቲ ዝተጻሕፈ ብዛዕባ እንታይ ከምዝዛረብ ግን ኣይተረድኦን። ፊልጶስ ነዚ ከንብብ ምስ ሰምዐ ደይቡ ገለጸሉ። የሱስ ገንሸል ኣምላኽ ምዃኑን ካብ ኩሉ ጥፍኣት ከም ዘድሕኖን ኣረድዎ። እቲ ኢትዮጵያዊ ነዚ ምስ ሰምዐ ብየሱስ ኣሚኑ ተጠመቐ።
ብድሕሪኡ ፊልጶስ ብኡንብኡ ብሓይሊ ብመንፈስ ቅዱስ ተወሲዱ ኣብ ካልእ ቦታ ተራእዮ። እቲ በዓል ስልጣን ውን ብሓጎስ ናብ ኢትዮጵያ ተመልሰ።
Philip and the Ethiopian
Acts 8:26-40
Philip was a man of God. One day God told him to walk towards the southern part of Israel. And so he went there. As he was walking, he saw a man in a horse carriage. That man was a very important government official from Ethiopia who had come to Israel to worship God. On his way home, he was reading the part which the Prophet Isaiah wrote about the Lamb of God. But it was not clear to him what it was all about. When Philip heard him reading, he went closer and explained it to him. He taught him that Jesus is that Lamb of God and that he sets us free from any guilt. When the Ethiopian heard this, he believed in Jesus and was baptised. After that Philip was suddenly taken away by the power of the Holy Spirit and appeared in a different place. But the official joyfully went back to Ethiopia.

ፊልጶስ ምስቲ ኢትዮጵያዊ ብዛዕባ የሱስ ክዛረብ ከሎ
ስለምንታይ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ ናብቲ ኢትዮጵያዊ ዝለኣኾ?
እግዚኣብሄር ዝለኣኾ የሱስ መድሓኒ ምዃኑ ክነግሮ ኢዩ።
144. የሱስን ሳውልን
ግብሪ ሃዋርያት 9
ሳውል ግጉይ ብዝኾነ ሓሳብ ንእግዚኣብሄር ብምግልጋል ኣዝዩ ብዙሕ ዝጸዓረ ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ ንሰዓብቲ የሱስ ግጉይ መገዲ ዝኽተሉ ዘለዉ ስለ ዝመሰሎ የሳድዶም ነበረ። ብዙሓት ክርስትያናት ብሰንኪ ሳኦል ካብ የሩሳሌም ሃዲሞም።
ሓደ መዓልቲ ሳውል ንክርስትያናት ከሳድድ ናብ ካልእ ከተማ ይኸይድ ነበረ። ኣብ መንገዲ ከሎ የሱስ ተገሊጹ ደው ኣበሎ። ሃንደበት ኣብ ዙርያኡ ዓቢ ብርሃን በርሀ እሞ ወደቀ። የሱስ “ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጎኒ ኣለኻ?” ክብል ከሎ ሰምዐ። ሳውል ካብ መሬት ምስ ተንስአ ኣዒንቱ ምርኣይ ሰኣና። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣምላኽ ንሓደ ካብ ክርስትያናት ንሳውል ክጽልየሉ ለኣኾ። እቲ ዝተለኣከ ሰብኣይ ምስ ጸለየሉ፡ መሊሱ ክርኢ ጀመረ።
በዚ መንገዲ እዚ ድማ ህይወት ሳውል ተቐይሩ ሰዓቢ የሱስ ኰነ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ስሙ ጳውሎስ ኮነ።
Jesus and Saul
Acts 9
Saul was a man who worked very hard for God but with the wrong understanding. Therefore, he persecuted people who followed Jesus. He did so because he thought they were mistaken. Because of him many believers fled from Jerusalem.
One day Saul was going to another city to persecute Christians when Jesus appeared to him on the road and stopped him. Suddenly a big light shone around him and he fell to the ground. He heard Jesus’ voice say to him, “Saul, why are you persecuting me?” And afterwards, when Saul got up, he was blind. Three days later God sent one of the Christians to him in order to pray for him. And after that man had prayed for Saul, he was able to see again.
In this way Saul’s life was changed and he became a follower of Jesus. From then on his new name was Paul.

የሱስ ንሳውል ተገሊጹ ደው ምስ ኣበሎ
ሳውል ምስ መን ምስ ተራከበ እዩ ተቐይሩ?
ምስ የሱስ ብምርኻቡ እዩ ተቐይሩ።
145. ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ምሂሩ
ግብሪ ሃዋርያት 9 + ተወሳኺ ምዕራፋት
ጳውሎስ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ምኵራባት ኣብ ዝበሃሉ ናይ እስራኤላውያን ቤት ጸሎታት ብዛዕባ የሱስ ኪሰብኽ ጀመረ። ናብ ርሑቕ ሃገራት ተጓዒዙ ንኻልኦት ህዝብታት እውን ይምህር ነይሩ። ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ የሱስ ኪምህር ከሎ፡ ብሓጐስ ይሰምዕዎን ብየሱስ ይኣምኑን ነበሩ። ገለገለ ሰባት ግና መልእኽቱ ክሰምዑ ስለዘይደለዩ ተቓወምዎ። ንሱ ግና ኣገልግሎቱ ኣየቋረጸን። ብሓይሊ እግዚኣብሄር ድማ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ። ብዚ ምክንያት ብዙሓት ሰባት እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮምን ቃል እግዚኣብሄር ሓቂ ምዃኑን ፈለጡ።
Paul Teaches About Jesus
Acts 9 et al.
After Paul realised that Jesus is the Son of God, he started to teach about him at the synagogues. These are Israelite prayer houses. Additionally, he traveled to distant countries in order to teach people from other nations as well. Some people were glad to learn about Jesus and decided to follow him. But others opposed Paul, because they didn’t want to hear his message. Even so, he did not give up serving. He also did many miracles by the power of God. In this way many people were able to see that God loves them and that his word is true.

ጳውሎስ ቃል እግዚኣብሄር ክምህር ከሎ
ጳውሎስ ንፉዕ መምህር እዩ ነይሩ። ብዛዕባ መን እዩ ምሂሩ?
ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ምሂሩ።
146. ጴጥሮስ ዝረኣዮ ራእይ
ግብሪ ሃዋርያት 10
ሓደ መዓልቲ ጴጥሮስ እናጸለየ ከሎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ራእይ ረኣየ። እዚ ራእይ እዚ ሕልሚ ዝመስል ከይደቀስኻ ዝረኣይ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ራእይ እዚ ጴጥሮስ ካብ ሰማይ ጨርቂ ክወርድ ረኣየ። እስራኤላውያን ክበልዕዎም ዘይፍቀደሎም እንስሳታት ዝተመልአ ጨርቂ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ ነቲ እንስሳ ሓሪዱ ክበልዖ ነገሮ። ጴጥሮስ “ርኹስ እንስሳ ኣይበልዕን” ኢሉ ምስ መለሰ ግና፡ እቲ ድምጺ ብኡንብኡ “ኣምላኽ ዘንጽሆ ርኹስ ኢዩ ኣይትበል” በሎ። ጴጥሮስ ነዚ ራእይ እዚ ሰለስተ ሳዕ ረኣዮ። ኣብ መወዳእታ ትርጉም ናይዚ ራእይ ንዝኾነ ሰብ ርኹስ ኢዩ ከይብል ከምዝኮነን፡ ንኹሉ ሰብ ግን ብዛዕባ የሱስ ምንጋር ምዃኑ ተረድአ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ኣጋይሽ ናብቲ ዝሓድርሉ ዝነበረ ገዛ መጺኦም ምስኦም ናብ ገዝኦም ክኸይድ ሓተትዎ። እቶም ኣጋይሽ እስራኤላውያን ኣይነበሩን። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንጴጥሮስ ብሓጎስ ኪቕበሎም ከም ዘለዎ ኣቐዲሙ ብራእይ ብንጹር ገሊጹሉ ነበረ።
ስለዚ ናብቲ ዝነብረሉ ቤት ዓደሞም። ብሓንሳብ ምስ በልዑ ድማ ምሳታቶም ከደ።
Peter’s Vision
Acts 10
One day while Peter was praying, he saw a vision from God. Such a vision is like dreaming without actually sleeping. In this vision, Peter saw a sheet which came down from heaven. It was full of animals that people from Israel were not allowed to eat. Yet a voice from heaven told him to slaughter and eat them. When Peter answered, “I won’t eat unclean animals,” he heard the voice say, “Don’t call anything unclean that God has made clean!” Peter saw this vision three times. In the end he understood that the vision meant he should not call any person unclean. It also meant he should tell people of any nationality about Jesus. Right at that moment, some strangers arrived at the house where he stayed and asked him to come with them. They were not from Israel. However, through the vision God had made it clear that Peter should accept them. So he invited them into the house where he stayed. And after they ate together, he went with them.

ኣምላኽ ንጴጥሮስ ራእይ ምስ ኣርኣዮ
ኣምላኽ ኵሎም ሰብ ኪድሕን ይደሊ ድዩ?
እወ: ኵሉ ሰብ ኪድሕን እዩ ዚደሊ።
147. ጴጥሮስ እስራኤላውያን ንዘይኾኑ ሰብኸ
ግብሪ ሃዋርያት 10
ጴጥሮስ ምስቶም ዝመጹ ኣጋይሽ ናብ ገዛ ሓደ ሮማዊ ሰብኣይ በጽሐ። እዚ ሕያዋይ ሮማዊ ኩሉ ግዜ ዝጽልን ንእግዚኣብሄር ዘክብርን ሰብ ኢዩ ነይሩ። ንሱ ግና የሱስ መድሓኒ ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። እቲ ሰብኣይ መልእኽቲ ጴጥሮስ ብሓባር ክሰምዑ ንኣዝማዱ ዓደሞም። ጴጥሮስ ነቶም ዝተኣከቡ ሰባት የሱስ መድሓኒ ምዃኑ ምሂርዎም። እና መሃሮም ከሎ፡ እግዚኣብሔር ንኦኦም እውን መንፈስ ቅዱስ ሃቦም። ብድሕሪ እዚ ንኣታቶም ንኽጥመቁ ምውሳን ኣጸጋሚ ኣይነበረን።
ስለዚ እቲ ሮማዊን ኣዝማዱን ተጠመቑ።
ነገር ግን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እስራኤላውያን ክርስትያናት ነዚ ምስ ሰምዑ ንጴጥሮስ ተቓወምዎ። ብዚ ምክንያት፡ ጴጥሮስ ከመይ ገይሩ ኣምላኽ ናብቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ከም ዝመርሖ ነገሮም። ንሱ ድማ “ኣምላኽ ከምቲ ንዓና መንፈሱ ሒቡና ዝነበረ ከምኡ ድማ ንዓኣቶም ሂብዎም” ኢሉ ገለጸሎም። ኣምላኽ ነቶም እስራኤላውያን ዘይኮኑ እውን ከድሕኖም ከም ዝደሊ ምስ ተረድኡ፡ ኣብ መወዳእታ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
Peter Preaches to Non-Israelites
Acts 10
Together with the people that had come to him, Peter arrived at the house of a Roman man. This Roman was a good man who honoured God and prayed every day. But he didn’t know yet that Jesus is the Saviour. He had invited his relatives to hear what message Peter would have for them. So Peter taught the people gathered there that Jesus is the Saviour. And as he was teaching, God gave his Holy Spirit to them as well. After this happened, it was not difficult to decide to baptise these people who didn’t belong to Israel. And so the Roman man and his relatives were baptised.
However, when the Israelite believers in Jerusalem heard about this, they opposed Peter. Therefore, Peter helped them to understand how God had led him to the non-Israelites. He explained to them, “God has given his Spirit to them just as he gave to us” After they had come to realise that God wants to save non-Israelites as well, they praised God.

እቲ ሮማዊ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ጴጥሮስ ክሰግድ ከሎን ጴጥሮስ ከይሰግደሉ ክክልክሎ ከሎን
ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ወንጌል ክንነግር ይደሊ ድዩ?
እወ እግዚኣብሄር ንኹሉ ስለ ዘፍቅር ንኹሉ ሰብ ወንጌል ክንነግር ይደሊ ኢዩ።
148. ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ
ግብሪ ሃዋርያት 12
ሄሮድስ ዝተባህለ ንጉስ ንገለ ክርስትያናት ከይበደሉ ክኣስሮም ጀመረ። ንጴጥሮስ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ንሱ ውን ብሰንሰለት ተኣሲሩ፡ ብብዙሓት ሓለውቲ ይሕሎ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ክርስትያናት ተኣኪቦም ስለ ጴጥሮስ ኣበርቲዖም ይጽልዩ ነበሩ። ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሃንደበት ብለይቲ ሓደ መልኣኽ ናብኡ መጸ። ተንሲኡ ድማ ናብ ደገ ክስዕቦ ነገሮ። እቲ ዝኣሰሮ ሰንሰለት ድማ ካብኡ ወደቐ። ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብተኣምር ተኸፊቱ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጴጥሮስ ዝሓልም ዘሎ መሲልዎ ነበረ። ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ምስ ኰነ ግን፡ ብሓቂ ናጻ ምዃኑ ተረድአ። ድሕሪኡ ናብቶም ዝጽልዩሉ ዝነበሩ ሰባት ከደ። ንጴጥሮስ ምስ ረኣይዎ ድማ ኣዝዮም ተገረሙ። ከም ብሓድሽ ስለ ዝረኣይዎ ድማ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
ጴጥሮስ ምስ ኣረገ፡ ምእንቲ የሱስ ብዙሕ መከራ ተቀቢሉ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ እግዚኣብሄር ወትሩ ምስኡ እዩ ነይሩ።
Peter Freed from Prison
Acts 12
Some time later, King Herod started to imprison Christians, although they hadn’t done anything wrong. Peter was put in prison as well. He was bound with heavy chains and guarded by many guards. But the other believers had gathered and were praying seriously for him. So Peter was in this difficult situation when suddenly an angel came to him in the middle of the night. He told him to get up and follow him outside. Peter’s chains simply fell off and the prison doors miraculously opened. At that time it all seemed like a dream to Peter. But once he was outside the prison he realised that he really was free. Then he went to the believers who were praying for him. They were so amazed when they saw him. And they thanked God for bringing them back together.
Later in his life, Peter suffered a lot for Jesus. Yet, God was always with him.

መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጴጥሮስ ካብ ማእሰርቲ ሓራ ክገብሮ ክዛረቦን ከሎ
ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ኣምላኽ ምስኡ ድዩ ነይሩ?
እወ: ኣምላኽ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ከይተረፈ ኵሉ ግዜ ምስኡ እዩ ነይሩ።
149. ማእሰርቲ ጳውሎስን ደብዳቤታቱን
ግብሪ ሃዋርያት 13-28
ጳውሎስ ንሰባት ብዛዕባ የሱስ እናመሃረ ናብ ብዙሓት ሃገራት ምጉዓዙ ቀጸለ። ኣብ ዝኸዶ ቦታ ክምህር ከሎ ሰባት ብየሱስ ይኣምኑ ስለነበሩ፡ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ተመስረታ።
ድሕሪ ሒደት ዓመታት ንጳውሎስ ዝቓወምዎ ሰባት ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ እቲ ዳኛ ደው ምስ በለ፡ ንገሊኦም መራሕቲ መንግስቲ ብዛዕባ የሱስ ነገሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ እሱር ኰይኑ ብመርከብ ናብ ከተማ ሮማ ከደ። ይኹን እምበር፡ እታ ዝነበረላ መርከብ ብብርቱዕ ማዕበል ተሰባቢራ። እግዚኣብሄር ግና ንጳውሎስን ንዅሎም እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩን ሰባት ካብ ጥፋአት ኣድሒንዎም እዩ። ኣብ መወዳእታ ጳውሎስ ኣብ ሮማ በጽሐ። ኣብ ሮማ እሱር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኣጋይሽ ክቅበል ይፍቀደሉ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስቲያናት ንመንፈሳዊ ህይወት ዝጠቅሙ ብዙሓት ደብዳቤታት ጽሒፉ። ብዙሓት ካብዘን ደብዳቤታት እዚኣተን ንህይወትና እውን ጠቐምቲ ስለ ዝዀና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተኻቲተን እየን።
Paul Writes Letters
Acts 13-28
Paul travelled to many countries and continued teaching people about Jesus. Everywhere he went, people decided to put their trust in Jesus, and many churches were established.
After a number of years, the people who opposed his teaching put him in prison. And when he was brought before the judge, he used the opportunity to explain the gospel to government leaders as well. Finally, he was taken by ship to the city of Rome as a prisoner. But due to a severe storm the ship he was travelling on broke apart and sank. However, God saved Paul and all the other people who were on the ship. In the end he arrived in the city of Rome. At the time he was a prisoner there, he was allowed to receive visitors. And during that period, he also wrote many letters that were helpful for the spiritual life of various churches. Many of his letters are part of the Bible because they are helpful for our spiritual life too.

ጳውሎስ ኣብ ሮማ እሱር ከሎ ኣጋይሽ ክቕበልን ከሎ
ጳውሎስ ዝጸሓፈን ደብዳቤታት ንምንታይ ኢዩ ዝጠቅም?
ንመንፈሳዊ ሕይወትና ጠቐምቲ እዮም።
150. የሱስ እንደገና ክመጽእ እዩ
ራእይ ዮሃንስ፡ ማቴዎስ 25
ሃዋርያ ዮሃንስ ንሰማይ ማለት ነቲ ኣምላኽ ዝነብረሉ ቦታ ብራእይ ረኣየ። ብሓጎስን ፍቕርን ዝተመልአ ጽብቕቲ ስፍራ ከም ዝኾነ ርእዩ። እቲ ጎደናታት ብወርቂ ዝተሰርሐ እዩ። ሕማምን ሞትን ሓዘንን ውግእን ሰይጣንን ኣብኡ የለን። ኣብቲ ስፍራ ዘሎ ንጉስ ድማ የሱስ ኢዩ።
ዮሃንስ ዝራዮ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ጽሒፍዎ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚ ዝተጸሓፉ ትንቢታት ኪፍጸም ምስ ጀመረ፡ ንሰባት ዝያዳ ንጹር እንዳ ኾነ ክመጽዕ ኢዩ።
ሕጂ ውን የሱስ ገንሸል ኣምላኽን ንጉስ ነገስታትን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ንሱ ካብ ካልኦት ሓያላት ኩሉ ይዓቢ። ዳግማይ ናብ ምድሪ ተመሊሱ ክመጽእ እዩ። እንተ ኮነ ግን መዓስ ከም ዝመጽእ ብልክዕ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ምስ ተመልሰ ግና ንሕሱማት ሰባት ከም ዝፈርዶም ንፈልጥ ኢና። ደቁ ግን ናቱ ስለዝኮኑ ነዚ ፍርዲ ኣይፈርህዎን እዮም። የግዳስ፡ መድሓኒኦም ምስ ረኣዩ ክሕጐሱ እዮም። ገንሸል ኣምላኽ፡ የሱስ ንደቁ ብሓጎስ ይቕበሎም እምበር፡ ኣይፈርዶምን እዩ።
Jesus Will Come Again
Revelation + Matthew 25
The Apostle John saw a vision of heaven – the place where God is. He saw that it is a beautiful place full of joy and love. The roads there are made of gold. There is no sickness, no death, no sadness and no fighting. Satan isn’t there either. Jesus reigns there as king.
John wrote down everything he saw in the Book of Revelation. When the things described in this book start to happen, people will understand them more clearly.
We already understand now that Jesus is the Lamb of God and the King of Kings. He is stronger than any other power. He will come back to the earth. But no one knows when he will come exactly. Yet, we know that when he returns, he will judge evil people. But those who belong to him – his children – will not be afraid of this judgment. On the contrary, they will be very happy to see their Saviour. Jesus – the Lamb of God – will accept his children, and will not condemn them.
Even now, Jesus is always with his children.
ሕጂ እውን እንተኾነ፡ የሱስ ኩሉ ግዜ ምስ ደቁ እዩ።

የሱስ ጎይታ ጎይቶት ኮይኑ ብኽብርን ብሓይልን ክምለስ ከሎ
የሱስ ብኽብሪ ዳግማይ ምስ መጸ፡ ንመን ምሕረት ክገብር እዩ?
የሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣምኑ ደቁ ምሕረት ክገብር እዩ።


ኣብ ታሪኽ 128-150 ድለዩ: